2012-07-03 15:10:56

ሕቡራት መንግስታት ዓለም፦ ንግድ ወትሃደራዊ ኣጽዋር


ኣብ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ብወትሃደራዊ ኣጽዋር ሓደ ሰብ ከምዝመውት ብዝገለጽ ጸብጻብ ተበጊሱ ክሳብ ዕለት 27 ሓምለ 2012 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዛዕባ ንግድ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ዝዝትይ ኣኼባ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርክብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ RealAudioMP3 ከምእተጀመረ ክንገር እንከሎ። እቲ ዋዕላ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፣ ንግድ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻርን ናይ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምልኣኽ ዝቖጻጸር ሕጊ ጽኑዕ ኣብ ምግባር ዝኣመተ ምዃኑን፣ ብዛዕባ እቶም ሕግታት ዝምልከት እታ ንምቁጽጽር ወተሃድራዊ ዕጥቂ ዘይምልከት ሕጊ ክኸውን ኣለዎ እትብል ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን፣ ነቲ ሕጊ መቆጻጻሪ ንግድ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ምስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተተሓዘ ዘምስሎ ሓሳብ ክህሉ የብሉን ዝብላ ሃገራት ሩሲያን ቻይናን ዝፈጥረኦ ዘለዋ ተቓውሞ፣ ዝፈጥሮ ዕንቅፋት ክስገር ከምዘለዎን እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ነዚ ጉዳይ መፍትሒ ክረኽበሉ ትጽቢት ተገይርሉ ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ ኢጣሊያ ናይ ምንካይ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ቤተ መዝገብ ሓላፊ ማውሪዚዮ ሲሞንቸሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋዕላ፣ ብዙሕ ትጽቢት ተነቢርሉ ከምዘሎን፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሩሲያን ቻይናን ብዛዕባ ምቁጽጻር ንግድ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝምልከቱ ሕግታት ንምጻድቕ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣኼባታት፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሩሲያን ቻይናን ድምጸ ተዓቅቦ እናገበራ ኣብ ንግድ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ናይ ርእሰ ምሕደራዊ ኣግባብ ንምኽታል ዝመርጻ ምዃነን ከምዘረጋገጻን፣ ከምኡ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሰማማዓሉ ሕጊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሔራዊ ሕዝባዊ ባይቶ ኮነ ላዕለዋይ ባይቶን ከየጽደቐኦ ዝተረፋ እውን ብዙሓት ሃገራት ከምዘለዋ ጠቒሶም፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ከምቲ ዝድለ እውን እንተዘይኮነ፣ ናብቲ ዝድለ ዝቀራረብ ኣብ ሓደን ኣገዳስን ናይ ስምምዕ ነጥቢ ከብጽሕ ተስፋ እገብር ኢሎም።
ናብተን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዘይኽበረለን ሃገራት ወተሃደራ ኣጽዋር ምልኣኽ ብዓለም ሓቆፍ መዳይ ዘሎ ጉዳይ ምትእስር ዝምልከት እዩ። ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ሶሪያ፣ ሩሲያ እትህቦ ዘላ መልሲ ሓደ ኣብነት እዩ ቢሎም፣ ስለዚህ እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ስምምዕ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካዊ ስምምዕ ዝብል ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.