2012-06-30 15:15:53

ብፁዕ ካርዲናል ሮመዮ፦ “ሰማዕትነት ኣባ ፑሊዪዚ፣ ንዅላትና ኣብነት እዩ”


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሲቺሊያ ርእሰ ከተማ ፓሌርሞ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፓውሎ ሮመዮ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብውሳኔ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ነቶም ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማ ፓሌርሞን ዝዓበዩላን ክፍሊ ከተማ ብራንካቻ በቶም ማፊያ ተባሂሎም ዝስመዩ ጉጅለ ገበነይናታት ኢድ ዝተቐትሉ RealAudioMP3 ወዲ ቤተ ክርስትያን ኣባ ጁዜፐ (ፒኖ) ፑሊዪዚ ብፅዕና ክእወጀሎም ምዃኑ ብወግዒ ምስ ተነግረ፣ ትማሊ ኣብ ፓርሌርሞ መንበር ሊቀ ጳጳሳት መጋበእያ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “ሰማዕትነት ኣባ ፒሊዪዚ ንዅላትና ኣብነት እዩ” ቢሎም “ኣስፍሆተ ወንጌልን ሰብኣዊ ሕንጸትን ኣጣሚሮም ብጸዋዕታ ክህነቶም ንኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ናይ ዝፈጸመዎ ውፉይ ኣገልግሎት መለለዪ እዩ” ኣብ ፓሌርሞ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ነ’ባ ፑሊዪዚ ብፅእና ክትእውጅ ምዃና ዝተሰምዔ ዜና ኣብ ፓሌርሞን መላእ ሲቺሊያን ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ሓላፍነት ለበስ ውዕዉዕ ሓጎስ እዩ ተቓሊሑ፣ ዓቢ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ። ፓሌርሞ ካብቶም ካህናት ደቃ፣ ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ዝእወጀሉ ካህን ክትረክብ ብሓቂ ዘሐጉስ ጥራሕ ዘይኮነስ ካህን ክህነቱ ብኸመይ ክነብሮ ክምዘለዎ ዘነጽር ምልክት እዩ። ናይ ፓሌርሞ ሰበኻ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፣ ናይ እምነት ሰማዕት ኣባ ፑሊዪዚ ኣብነት ዘጉልሕ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሰብኣዊ ሕንጸት ዘጠቓልልን፣ እቲ መንፈስ ክፍኣት ክቃላዕ ኩሉ ንመገዲ ወንጌል ሕራይ ብምባል ከወግዶን ቅንዕናን ፍትሕን ክነብር ዘተባብዕን እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣባ ፑሊዪዚ ኣብነት እዮም እንክብሉ፣ ናይ እምነት ሰማዕት ኣባ ፑሊዪዚ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቶም ተሓባባሪት ኮይነን ዘገልገላን ታሪኽ ናይ እምነት ሰማዕትነት ኣባ ፑሊዪዚ ተግባርን መንፈሳውነትን ዝትርኽ መጽሓፍ ደራሲት ኣናቴ ካሮሊና ያቫንዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣባ ፑሊዪዚ ሕዝቢ ካብቲ ንባርነት ዝድርኽዎ ኣርዑት ናጻ ክወጽእን እቲ ዝተወለድሉ ከባብን መላእ ፓሌርሞን ካብቶም ጸረ እምነት ዝኾኑ ማፍያ ናጻ ክትከውንን ኩሉ ክልወጥ ዝብል ዕላማ ዝተኸተሉን ዝመስከሩን ኣብ ምምስካሩን ምስትምሃሩን እንከለዉ ብኢድ ማፊያ ዝተቐትሉ እዮም። ናይ እግዚኣብሔር ካብ ምዃኖም ዝምንጭው ፍሽኽታን ሓጎስን ወትሩ ኣብ ገጾም ዝረኣይ መልክዕ ኣፍቃሪ ሕይወት ዘለዎምን ኩሉ ንሕይወት ከፍቅር ዘገልገሉ እዮም፣ ኣብ መቓብሮም ዘሎ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ 15 ፍቕዲ 13 ዝተወስደ “ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ ኣሕሊፉ ዝህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን” ዝብል ዝተጻሕፈ ቃል፣ ብቓልን ብሕይወትን ነቲ ፍጹም ኣብነት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ዝነበርዎ ፍቕሪ እዩ እንክብላ ዝሃበኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.