2012-06-28 15:01:07

ቅድስቲ መሬት


ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ፍራንኮ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ራማላሕ ምስ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ RealAudioMP3 ከምእተራኸቡን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ፍልስጥኤም ናይ ነጻነት ውድብ ላዕለዋይ ወሳኒ ኮሚቴ ኣባል ሳኤብ ኡረቃትን፣ ናይ ርእሰ ብሔር ኣባስ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ኣማኻሪ ኒምር ሃማድን፣ ንርእሰ ብሔር ኣባስ ምስ ናይ ክርስትያን ርክባት ጉዳይ ኣማኻሪ ዚያድ ኤል ባንዳክ ከምእተሳትፉ ኣቡና እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዝውጽኦ መግለጺ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ፍልስጥኤምን ሕዝባን ምስ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዘለዎ ታሪኻዊ ዝምድናታትን ርክብን ዝምልከትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ፍልስጥኤምን ቅድስቲ መንበርን ከብጽሑ ትጽቢት ዝግበረሎም ክሌኣዊ ስምምዓት ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝግበሩ ጻዕርታት ክሳለጥ መታን ነቲ ከይዲ ዘደናጉዩ ተባሂሎም ብክልቲኣቶም ወገን ዝንገረሎም ነጥብታትን ሕቶታትን መሠረት እውን ዘተ ከምእተኻየደን፣ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ብሔር ኣባስ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብብፁዕ ኣቡነ ፍራንኮ ኣቢሎም ምዉቕ ሰላምታ ከምዘመሓላለፉ እቲ ድረ ገጽ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.