2012-06-26 14:34:01

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ኤኮኖሚ ነቶም ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘኽብር ክኸውን


ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዋና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ናይ ወጻኢ ዕዳን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኩይዙ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዝተሳትፉ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ RealAudioMP3 ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ “ኤኮኖሚ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘኽብርን ዝሓልን ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከል ዘረባ ከዘስምዑ እንክንገር፣ ስለዚህ “ዝኾነ ይዅን ኤኮኖሚያዊ ንጥፈት ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር ክኸውንን ሃብትን ልቓሕን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝውዕል ክኸውን ይግባእ፣ ከምዚ እንተድኣ ዘይኮነ ግን ፍትሒ ክጠሓስን፣ እቲ ልቓሕ-ዕዳ ንድኻታትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሕብረተሰብ ንዝተነጸሉን መጋበርያ ምዝመዛ እዩ ዝኸውን” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።
እንነብረሉ ዓለም ዝኽተሎ ቁጠባዊ ርክባት ዘይማዕርነትን ዘስፋሕፍሕን ጸረ ፍትሕን ከይኑ ከምዘሎን፣ ዝሓለፉ ጌጋታትን ጉድለታትን ንኣብነት ልቓሕን-ዕዳን ተዓዳዪ ኩሉ ዜጋ ኮይኑ ግን ንናይ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሰበ ስልጣናትን መርወይ ውልቃዊ ረብሓ ኮይኑ ከምዝተረፈን ከምዝተርፍን ዝርኤይ ኢፍትሓዊ ተግባር ንኸይድገም ኣብ ጌጋ ተቖይሙ ንኸይንበር ብዅሉ መዳይን ደረጃን ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ምውጋእ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ጂሶቲ ሓቢሮም።
ምእንቲ’ዚ “ቅድስቲ መንበር ናይ ዝሓለፈ ኢፍትሓውነት ዝእርም ሕዳሴ ናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ፖለቲካውን ከይዲ ኣገዳሲ ከምዝኾነን እተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ጠቒሶም ጽባሕ ክትጻወሮ ዘይትኽእሎ ተቐባልነት ክህልዎ ዘይክእል ልቓሕ-ዕዳ ክዕገት ኣለዎ። ስለዚሁ እዚ ጉዳይ ኤኮኖሚያዊ ሕቶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ጽባሕ ወለዶ ዝትንክፍን ኩነት መጻኢ ወለዶን ምዕባለ ሃገርን ዝውስን ማሕበራዊ ናብራ ዝቆጻጸር ኩነት ጸቕጢ እዩ ዝኸውን” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.