2012-06-26 14:36:28

ሶሪያ፥ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል መለኪታዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መልእኽቲ


ጨውን ብርሃንን ዝዀኑ ብሕይወትን ቃልን መሰኻኽር ወንጌል ኢኹም፣ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነብር ማኅበርሰብ ክርስትያን ክተባብዑ ከምዘለዎምን ናይ ክርትስያን ጸዋዕታ ምስክርነት ዳግም RealAudioMP3 ከረጋግጹ ከምዝግባእ ትማሊ ኣብ ሊባኖስ ዝተኻየደ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት መልኪታዊት ቤተ ክርስታይን ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ኣብ ሶሪያ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ጎርጎሪዮስ ሳልሳይ ላሓም፣ ናይ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣመሪካን ላቲን ኣመሪካን ከምኡ እውን ናይ ኣውስትራሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ልኡካን ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነን እቲ ዝፈስስ ዘሎ ደም፣ ቁስልን ቒምን ኣሕዲሩ ዝሓልፍ ኮይኑ ጽባሕ እታ ሃገር ሰላም ዝረሓቓ ኮይናን ብማሕበራዊ ውጥረት ተሓሚሳ ክትተፍር ከምእትኽእል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም፣ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሶሪያ ከምኡ እውን ኣብ ፍልስጥኤም እውን ክወርድ፣ ኩሉ ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ክጽሊ ኣተሓሳሲቦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊባኖስ ንኸካይድዎ ወሲኖምዎ ዘለዉ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኩሉ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስትያን ናይ ሓሳብ ጸሎት ክገብሮ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.