2012-06-26 14:37:52

ሓድሽ ኤኮኖሚያዊ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ


ኣብ ዝሐለፈ መዓቲ ናይ ሶሪያ ሓይሊ ኣየር ሓንቲ ናይ ቱርኪ ወተሃደራዊ ነፋሪት ከምዝወቕዔ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ኣብ ሶሪያ ዝተባርዔ ዓመጽ ካብ ውሽጢ ሓሊፉ ናብቲ ከባቢ ክሰፍሕ RealAudioMP3 ዝድርኽ ምዃኑ ዘሕደሮ ስግኣት ንዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ መጠንቀቕታ ምዃኑን፣ ቱርኪ ኣባል ናይቲ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት ቃል ኪዳን ብምኻና ድማ እዚ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ክትሓትት ከምእትእኽል እንክምልከት ናይ ውግእ ሃዋሁ ከይፍጠር ፍርሒ ኣሕዲሩ ኣሎ።
እቲ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ናይ ቱርኪ ወተሃደራዊ ኣየር ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ብማሕበረሰብ ዓለም ከምእተዀነነን፣ ትማሊ ንጎሆ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ደማስቆ ሓድሽ ማዕቅብ ኤኮኖሚ ከምዝደንገገን፣ መንግሥቲ ደማስቆ፣ እቲ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ማዕቀብ ትርጉም ዘይብሉን ዘየድልን፣ መሬት ሶሪያ ቅዱስ መሬት እዩ እንክብል መልሲ ከምዝሃበሉ ክምልከት እንከሎ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቀብ ትርጉሙን ስሉጥነት ዘለዎ ድዩ? ዝብልሕ ሕቶ ካብ ራዲዮ ቫቲካን ንዝቐረበሎም ናይ መዲትራኒያን ጉዳይ ተንታንን ሊቅን ኣንቶኒዮ ፈራሪ እክምልሱ ልክዕ እቲ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቀብ ኣብ ሶሪያ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን፣ ሶሪያ ሊቢያ ኣይኰነትን፣ ሊቢያ ኣብ ፖለቲካው ማሕበራውን ጉዳይ ዓረብ ሃገራት ጽልዋ ዘለዋ ኣይኮነትን፣ ሶሪያ ግን ዓለማዊ ጽልዋ ዘለዎ እዩ።
እታ ናይ ቱርኪ ወተሃደራዊ ኣየር ኣበየናይ ናይ በረራ ከባቢ ከምዝነበረት ምጽራይ የድሊ። ኣብ ናይ ሃገራ ዶቦ ኣየርን ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ዶብ ኣየርን ወይ ድማ ኣብ ናይ ሶሪያ ዶባ ኣየር እንከላ ድያ ተወቒዓ? እዚ እቲ መልሲ ዘድልዮ ቀዳማይ ሕቶ እዩ። ስለዚህ ቅድሚ ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ፣ መልሲ ዘድልዮ መሠረታዊ ሕቶ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዓረባዊ ዓለም ዘለዋ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነ፣ ኣብ ጉዳይ ሶሪያ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰላምን ጸጥታን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ክህልዎ ዝኽእል ውሳኔ ናይተን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ሃገራት ፖለቲካ ዘንጸባርቕ እዩ። ስለዚህ እዩ ድማ ሩሲያን ቻይናን ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከውዕል ናይ ምግባር መሰለን ክጥቀማ ከምዝኾና ዘመልክታ ዘለዋ።
ንናይ ሶሪያ ውጥረት መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል እቲ ናይ ኮፊ ኣናን ናይ ሰላም እማመ እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ከም ውሁድ ማሕበረሰብ ዘይኮነስ ብብሔራዊ ደረጃ እዩ መልሲ ዝህበሉ ዘሎ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እውን ናብ ካልእ ኩናት ወተሃደራታ ክትልእኽ ማለት ዘይሕሰብ እዩ ዝተልኣኹሉ ሃገራት ኣይወሓደን። ዓለም ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ኣብ ቅልውላው ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውግእ ምኽፋት ሓደገይና እዩ። ዝለዚህ ብዘይ ተዓጠቑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተዓዘብቲ ኣካላት ኢዩ መፍትሒ ዝረክብ። ወተሃደራዊ ተልእኾ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይሕሰብ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጥቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.