2012-06-23 13:39:34

ናይ መናብርተ ጥበብ ጉባኤ


ዕለት 20 ሰነ 2012 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሮማ ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽርን ከንቲባን ሕንጻ ካምፒዶሊያ ዝተኻየደ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራን ጉባኤ ናይ ሮማ RealAudioMP3 ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ብዘስምዕዎ መልእኽቲ ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ክሕብር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም እቲ ጉባኤ ነቶም መሰረታውያን ናይ ሰብኣዊ ክብርታት ብብርታዐ ኣዚዩ ህልው ኣብ ዝኾነሉ ሓድሽ ውለዶ ንናይ መጻኢ ፍርያማነቱ ብምስትንታን ሓሳባት ዝውለደሉ ምዃኑ ገሊጾም፣ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 500 ተጋባእያን ብምስታፍ መንእሰይን ሕንጸትን መናብርተ ጥበብን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ኣብቲ ዘስምዕዊ ዘረባ፣ መናብርተ ጥበብ ብጽኑዕ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር መሰረት ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ መጽናዕቲ ጨናፍር ኣቢሉ ድልያን መጽናዕትን ዝፍጸመሉ ዓውዲ ብምዃኑ፣ ነቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ሓቂ ናይ ምፍላጥ ሃረርታን ዝምባለን ዘማዕብልን በዚ መሰረት’ዚ ድማ ነቶም ኣብ ዓለም ዘጋጥሙ ብድሆታት ብብቕዓት ብዝተፈላለየ ኵርናዓቱ ንብምዳህ ዝግበር ጻዕሪ ብግቡእ ብልሓት ክፍጸም ሓይሊ ኣእሮን ድላይን ዘበርትዕ እዩ ኢሎም።
ብፁዕነቶም ነቶም መምሃራን መናብርተ ጥበብ ኣሰነይቲ መንሰያት ቢሎም ሰምዮም በቲ ዘለዎም ሓላፍነት ኣቢሎም ነዘበርክትዎ ኣስተዋጽዖ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን ከምእተመስግኖምን፣ ኣብ ጸሎታ እውን ከምእትዝክሮም ብምርግጋጽ፣ እቲ ሕድሪ ተቐባሊ መንእሰይ ዝሕነጸሉ፣ ምስቲ ጭቡጥ ኩነት ዓለም ዝነጻጸርን ናይ ስራሕ ዓለም ዝጠልቦም ሕቶታት ግምት ዝህብን ተግባርን ክልሰ ሓሳብን ዘጣመረ ሕንጸት ዝቐርበሉ ክኸውን ይግባእ። ናይ ሕንጸት መደብ ማእከል መንእሰይ ወለዶ ክኸውን ከምዘለዎን፣ ብስነ ፍልጠት ጥራሕ ዘኮነስ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ዘቕርብ ኮይኑ ንናይ ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸት ዝግደስ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ጉባኤ ትማሊ ንጎሆ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ ተጋባእያን በቢ ናይ ስነ ፍልጠት ሊቕነቶም ተኻፋፊሎም ናይ ዕዮ ጉባኤ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.