2012-06-23 13:37:57

ምንቅስቓስ ስድራ ቤትኣዊ ፍቕሪ፦ ጸሎት ምእንቲ ቅዱስ ኣቦና


ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ትማሊ ሰዓት 21 ናይ ምሸት ምእንቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ምእንቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾን ሓሳብ ዝገበረ መደብ ጸሎት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ዝተመርሔ ጸሎት መቕጸሪያ ከምእተደግመ RealAudioMP3 መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ መደብ ጸሎት ኣደጊፎም ናይ ምንቅስቓስ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ሊቀ መንበር ሎሊታ ፈርሲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ምእንቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝግበር ጸሎት በቢ ዓመቱ ዝካየድ ኮይኑ፣ ዕላማኡ ኣብ ዙሪያ ቅዱስነቶምን መላእ ቤተ ክርስትያንን ከምእንተኣኻኸብን ብፍላይ ድማ እቲ ዘለዎም ጴጥሮሳዊ ተልእኾን ሓላፍነትን ዕብየቱ ዝርዳእ ኮይኑ ኣብ ዘጋጥሞም ፈተናታት ተኻፋልነትና ክንምስክርን ብሓይሊ ኣምላኽ ኩሉ መታን ክስገር ብጸሎት ቅርበትናን ፍቕርናን እንምስክረሉ እዩ።
መላእ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝግበር ጸሎት ኵላውነታ ከምእትምስክርን፣ እዚ ዓይነት ቅርበት ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ምእመንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ብፁዓን ጳጳሳትን እዩ። ኣብ ምስጢረ ሕማማት ዘስተንትን ጸሎት መቝጸርያ ብምድጋም እኖ ኣምላኽ በቢ ዕለቱ ንኽርስቶስ እናጠመትካ መስቀልካ ተሰኪምካ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ክንርዳእ ዘብቕዓና ብርሃን ክንዕደል ከምእተማልድ ብምትእምማን ዝፍጸም ኢዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ህሉው ኩነታት ዓለምን ከበዱን ሻቕሎቱን ብኢድ እኖ ኣምላኽ ናብ እግዚኣብሔር እነዕርጎ ጸሎት ኮይኑ ብስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ዝንበር መደብ ጸሎት እውን እዩ።
ምልክት ብርሃነ ክርስቶስ ሽምዓ ብምዅላዕ ዝፍጸም ጸሎት መቝጸሪያ ኮይኑ ኵሉ ምእመንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ሰብ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወትን መናንያንን ክሳተፍ ዝዕድምን ነቶም ኣብ እምነትና ዘጸኑዑና ክንጽልን ምእንታኦም ምጽላይ ክርስትያናውን ውሉዳውን ጸዋዕታና ምዃኑ እነረጋገጸሉን እንምስክረሉን መደብ ጸሎት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.