2012-06-21 15:44:48

ናይጀሪያ
ብፁዕ ኣቡነ ካይጋመ፦ “ጉጅለ መኽረርቲ ባኮ ሓራም መላእ ሃይማኖት ምስልምና ኣይውክልን”


ኣብ ናይጀሪያ ናይ ጆስ ሊቀ ጳጳሳትን ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኢግናዚዩስ ኣያኡ ካይጋመ “ባኮ ሓራም ጸረ ክርስትያንን ሃይማኖት ክርስትናን እዩ። RealAudioMP3 ኮይኑ ግን ነቲ ጽቡቕ ርክብ ዘሎና መላእ ናይ ናይጀሪያ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ተኸታሊ ዘይውክልን ምሳኡ ርክብ ዘይብሉ ጉጅለ ሐራ ጥቃ እዩ” እንክብል ኣብ ናይጀሪያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብኣባልነት እትርከቦ ናይ ናይጀሪያ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበር ብዛዕባ ህልው ኩነታት ናይጀሪያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ ዘስፈሮ ሓሳብ ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበር ትኽክል እዩ ኮይኑ ግን፣ መላእ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓቢ ጸረ ክርስትያን ማለት ኣይኮነን። ባኮ ሃራም ጸረ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ምእመናንን መጥቃዕቲ ፈንዩን ይፍኑው እውን ኣሎ። ገዛእ ርእሶም ንናይ ለኪምካ ምፍጥፋእ መጋበሪያ መታን ክግበሩ ዘተባብዕን ነቲ ጉጅለ ኣሸበርቲ ናይ ኤኮኖሚ ደገፍ ዘቕርቡ ወጻእተይና ኣካላት ከምዘለዉ ርጉጽ እዩ፣ መንግሥትን ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ ዝኽተልዎ መገዲ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ዘይሃበ እውን እንተኾነ፣ ተጊሆም ናይቶም ጉጅለ ኣሸበርቲ ሓይሊ ኤኮኖሚ ከቆጻጻሩን ናይ ቁጠባ ደገፍቶም ፈልዮም ኣብ ሕጊ ከቕርቡ ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብሩ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.