2012-06-21 15:43:11

ብፁዕ ኣቡነ ዜናሪ፦ “ሶሪያ ትደምይ ኣላ”


ኣብ ሶሪያ ዝተባርዔ ቅልውላውን ዓመጽን መዕለቢ ዘይብሉ ኮይኑ ደም ብዙሓት ዜጋ’ታ ሃገር የፈስስ ከምዘሎን፣ እቶም ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ንኽከታተሉ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተመዙ ኣባላት ተዓዘብቲ ኣካላት፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት ንሓደጋ ከይቃላዕ ናብቲ ክበጽሕዎ ተባሂሉ ዝነበረ RealAudioMP3 ናይ ሶሪያ ከባቢታት ከምዘይከዱ ከመልከቱ እንከለዉ፣ ኣብቲ ትማሊ ዝተዛዘመ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ደገፍ ተግባር ሮማ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ደማስቆ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ዘናሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ጥቓ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝርከብሉ ቦታ ምዃን ብሓቂ ደስ ዘብል ምዃኑ ምስቶም ኣብዚ ጉባኤ ዝተሳተፉ ብሓባር ዘስተማቐርዎ ኩነት ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ብቐረባ ብምክትታል ሕዝቢ ካብ ጸበባን መከራን ክናገፍ ከይተሓለሉ ናይ ሰላም ጻውዒት ብምቕራብ፣ ኵሉ ሰላም ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ ዘረኣይዎ ተገዳስነት መጸናንዒ እዩ።
ሶሪያ ብድምጺ ቶኽስን ባርዕን ተሃዊኻ ከምዘላን፣ ብዅለ መዳይ ትደምይ ኣላ። ብሓቂ ናብ ሲዖል ተንቆልቁል ዘላ እውን እዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን ሰብ ተስፋ ስለ ዝኾንና፣ ተስፋ ከይቆረጽና ኣብ ናይ ሰላም ሓይሊ እናተኣማመንና ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ሶሪያ ክተግህን ጊዜ ከየባኸነ ጊዜ እንከሎ ግዜ ብዘይምጽባይ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ሁከትን ደው ክብል ከይተሓለለ ክጽዕር ኣለዎ። እቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሶሪያ ብባዕላ ክትፈትሖ ዝከኣላ ኣይመስልን፣ ምእንቲ’ዚ ማሕብረሰብ ዓለም ደገፉን ሞንግይናነቱን ከሐይል ይግባእ ኢሎም።
ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ሕጻናትን ኣዴታትን ኣረጋውያንን ክትርኢ ብሓቂ ዘደንጽው ልብኻ ብሓዘን ዝመልእ፣ ብሱቕታ ክሕለፍ ዘይብሉ ብቑዕን ዝተኻኸል መልሲ ዘድልዮ ኩነት እዩ። እዚ ዝርኤ ዘሎ ህልቂት ነቲ ድላይ ሰላም ንምርግጋጽ ዝብል ድላይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድርኽ ሓይሊ ክኸውን ኣለዎ። ሕጻናት ክቕተሉን ሬሳኦም ፈቐዶ ፋሕ ኢሉ ክትርኤ መግለጺ ዘይብሉ ሓዘን ውሽጥኻ ዝስንጥቐ እዩ፣ ደም ናይዞም ዕሸላት ሰማዕታት ኣብ ምድረ በዳ ሶሪያ ዕምባበ ልግስን ሓልዮትን ሰላምን ፍቕርን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ።
ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበር ጨንፈር ኣብ ሶሪያ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ኣኡዶ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ሶርያ ቅልውላው ኤኮኖምን ፖለቲካን ከምዘሎን፣ እቲ ዳርጋ ናይ ሕድ ሕድ ውግእ ተባሂሉ ዝግለጽ ኣብ ከተማ ሆምስ ዝተራእየ ግጭት ጠቒሶም፣ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕዝቢ ደገፍ ንምቕራብ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማሕበር ከምእተዋፈረን፣ ኣብ ኣለፖ እውን ንናይ ሕፃናት ሓለዋ ክንክን ጥዕና መደብ ይሳለጥ ከምዘሎን፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ብምንቕቓሕን ናይ ሕንጸት መደባት እውን የረጋግጽ ኣሎ። ነቶም ዝመዛበሉ ዘለዎ ዜጋታት እውን መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት የቕርብ ኣሎ ኢሎም።
ቀጺሎም ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ኣባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፦ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ምምሕዳር መንግሥቲ ንባዚሊካ ልደተ ዘእግዚእነ ዘጠቓልል መላእ ጥንታዊ ከባቢ ከተማ ቤተልሔምን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ሓልዮ ማኅበር ኩላዊ ውርሻ ተባሂሉ ክፍለጥ ዝብል ድላይ ከምዘለዎን፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባን ብፍላይ ምስ ናይ ግሪካዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትንን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣርመናዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያንን ዘተ ከምዘካየደን፣ እዚ ድላይ ናይ ፍልስጥኤም ብሓፈሻዊ መልክዑ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ፣ እንተኾነ ግን እቶም ቅዱሳት ሥፍራ ብናይ ሃይማኖት ማሕብረሰብ እዮም ዝመሓደሩ፣ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ምስ ተውሃቦ ንዩኔስኮ ዋሕስ ዝኾውን ናይቲ ከባቢ ብሔራዊ ምምሕዳር ፍልስጥኤም እዩ እዚ ጉዳይ ክጻረ ዘለዎን ኮይኑ፣ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ኣተሃሒዝካ ክትርእዮ እንከለኻ ገና ክፍትሑ ዝግብኦም ዝተሓላለኹ ሕቶታት ስለ ዘለዉ፣ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ንጉዳይ ፖለቲካዊ መጋበሪያ ክኸውን ስለ ዝኽእል እቲ ሕቶ ብሔራዊ ምምሕዳር ፍልስጥኤም ገና ምሉእ ብስለት ዘድልዮ ግዚኡ ምስ በጽሔ ክቐርብ ዝግብኦ ሕቶ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.