2012-06-20 10:02:53

ቤተ ክርስትያን ንምንዋጽ ዝዓዪ መንፈስ ክፍኣት ወትሩ ዘይተዓዋቲ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ቅድሚ ትማሊ ምስቲ ፋሚሊያ ክርስቲያና እተሰምየ ሰሙናዊ ካቶሊካዊ መጽሔት ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ቤተ ክርስትያንን ካብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ውሽጣውን ወጻእን ጉዳይ ርክባት ዝምልከቱ ስቱር መልእኽትታትን ሰነዳትን RealAudioMP3 ብሕቡእ ቅዳሓቱ ብምሽሏኽን ናይቲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ሓልዮ ተቛም ሊቀ መንበር ዝነበሩ ፕሮፈሰር ጎቲ ተደስኪ ካብ ስልጣኖም ምልዓል ጥንሰ ሓሳብ ግብረ ተመሓሻጣርነት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምዘሎ ዘምስል ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ኣመክርኵይዞም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ብፁዕነቶም ይብሉ፦ ኮነ ተባሂሉ ቤተ ክርስትያን ንምንዋጽ ዝሓቀነን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዘበገስዎ ከይዲ ግብረ ምጽራይን ምንጻሕን ንምትዕንቓፍ ዝኣመተ ጸረ ቤተ ክርስትያናዊ ተግባር እዩ ቢሎም፣ ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦናን ተሓባበርቶምን ምግምማዕ ንምፍጣር ዝሃቀነ መሪር ፈተነ ከምዘሎን፣ እሞ ነቶም ብፍቕሪ ምሉእ ብምሉእን ተኣማንነት ምእንቲ ሰናይ ቤተ ክርስትያን ዝዕጠቑ ኮነ ቢልካ ንምጥቓዕ ዝኣመተ ዘመተ ኣኵይ ተግባር እዩ ኢሎም።
እዚ ዅሉ ተኸሲቱ ዘሎ ብሓቂ ዘጉህይ እዩ። እቲ ዝለዓለ መዳርግቲ ዘይብሉ መሠረት ጓሂ ድማ ኣብ ልዕሊ ዝተውሃበ እማኔ ዝፍጸም ግብረ መልሲ ክሕደት እዩ። ተኣማንነት ክከሓድ እንከሎ ብሓቂ ዘጉህይ እዩ። ተኣማንነት ብክሕደት ክምልሰ እንከሎ ደረት ዘይብሉ ጓሂ እዩ ዘሕድረልካ፣ ከምዚ ዓይነት ተግባር እዩ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን ዝተፈጸመ። ነቲ ዝተኸስተ እምነት ምጉዳል ዘጻርይ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድርገትን ናይ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘካይዶ ዘሎ መርመራ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምጽራይ ድላይ ከምዘሎ ዘረጋግጽ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ከም ማንም ሰብ ናይ ስትረት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘለዎም፣ ንቅዱስ ኣቦና ግላዊ መልእኽትታትን ሰነዳትን ናይ ዝለኣኹ መሰል ዝጥሕስ እቲ ሰነዳቶምን መልእኽትታቶምን ቅዳሕ ንደገ ምሽሏኽን ምሕታሙን ብሓቂ ዘደንጽው ኢግብረገባዊ ተግባር እዩ። ብናይ ዓለም ሓቆፍ ኮነ ብብሔራዊ ሓቆፍ መዳይ ኣብ ኵሉ ቅዋም ሃገር ውሑስ ክኸውን ኣለዎ ዝበሃል ክፍሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፥ ምኽባር ናይ ስቱርነት መሰል ሰብኣዊ ምጥሓስ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ገበን ተሓተትቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኮኑ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ከምዘየለዉን ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ኣብ ቤተ ክርስያን የለን፣ ስልጣን ኣገልግሎት እዩ። ስለዚ ኮነ ተባሂሉ እቲ ኣብ ካልእ ስፍራ ዘየሎ ናይ ቫቲካንን ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብውሁድን ስሙር ብጥርናፈን ዝነብር ናይ ሓባር ኣገልግሎት ኣሰራርሓን ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ.ን ተሓባበርቶምን ኮነ ተባሂሉ ንምህዋኽ ዝኣመተ ኢግብረ ገባዊ ተግባር ምዃኑ ምስ ገለጹ፣ ኣስዒቦም ናይቲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ሓልዮ ተቛም ሊቀ መንበር ዝነበሩ ፕሮፈሰር ጎቲ ተደስኪ ካብ ስልጣኖም ምልዓል ናይ ግልጽነት ኣሰራርሓ ስለ ዘየለ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ናይቲ ተቛም ቤት ምኽሪ ኣመሓደርቲ ዘሎ ርክብ ኣናንቆልቆለ ከምዝኸደ ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣብ ገለ ገለ ዝተወስዱ ውሳኔታት ዘይ ምስምማዕ ከምዝነበረ ጸነጽር እዩ። ናቶም ካብ ስልጣኖም ምልዓል ከምቲ ዝበሃል ካልእ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎ ውሳኔ ኣይኮነን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ መግለጹ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.