2012-06-14 15:13:27

እምነትን ባህልን ኢደ ጥበብን


ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውሳኔ መሰረት ዕለት 20 ግንቦት 1982 ዓ.ም. ዝቖመ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ መበል 30 ዓመት ምስረታኡ ብዝተፈላለዩ መደባት የብዕል ከምዘሎ እንክሕበር፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝምልከት RealAudioMP3 ብናይ ኢጣሊያ ናይ ራዲዮን ቴሌቪዥንን ወግዓዊ ጣቢያ ናይ ታሪኽ ጉዳይ ዝምልከት መደብ ፈነወ ብምክትታል ዝተቐርጸን ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዳብሊው ዳብሌው ዳብሊው ኩልቱራ ነጥቢ ቪኤይ ዝብል ዝተሓደሰ ወግዓዊ ድረ ገጽ ብዕሊ ዝቐረበሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ባህሊ ዘይከውን እምነት ገና ብምሉእነት ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ኣይረኸበን ብምሉእነት ኣይተሰተውዓለንን ብእሙንነት ኣይተነበረን ማለት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ናይ ባህሊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ እንከቑም ኣብ 1982 ዓ.ም. ዝበልዎ ሓሳብ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተጠቕሰ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ገሊጾም፣ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ገና ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ፣ ስነ ጥበበይናታትን ናይ ሥነ ፍልጠት ሊቃውንትን ተመራመርቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሥነ መጽናዕትታትን ናይ ባህልን ኣካላት ብምዕዳም ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ባህላውን ሓሳባትን ሕቶታትን ኣማእኪሎም ይዝትዩን ሓሳብ ንሓሳብ እውን ይለዋወጡን ከምዝነበሩ ከምእተዘከረን፣ እቲ ኣብ ዓለማውያን ምሁራት ኣካላትን ቤተ ክርስትያንን ተፈጢሩ ዝነበረ ምርሕሓቕ ከምዘወገዱን፣ ብደገፎምን ሓገዞምን እታ ባህላዊ መንነታ ከተጥፍእ ብዙሕ ፈተናታት ዘጋጠማ ዝተወለዱላ ሃገሮም ፖላንድ ባህላዊ መለለዪ መንነታ ዓቂባ ህልውቲ ንምዃን ከምዝብቕዔ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ዘረባ ዘስምዑ ካብ 1998 ዓ.ም. ክሳብ 2007 ዓ.ም. ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ፑፓርድ ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣመልኪቶም።
ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ናይቲ ቤት ምኽሪ ምልስ ቢሎም እንከድህስሱ፣ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1965 ዓ.ም. ብዛዕባ ኢኣማንያ ዝግደስ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምቛም ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ዝተበገሰ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ሓሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናይ ባህሊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ‘Cortile dei gentili - ደንበ አህዛብ’ ብዝብል መጸዊዒ ብዘካይዶ ዘሎ መደብ ዓወደ መጽናዕቲ ቀጻሊ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.