2012-06-14 15:11:33

ኢደ ጥበብ ዝቀያየር እውን እንተኾነ ተልእኾ ራዲዮ ቫቲካን ዘይልወጥ እዩ


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባዲ ካብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2012 ዓ.ም. ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ብሓጺርን ማእከላይ ማዕበላት ክቋርጽ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ንላቲን ኣመሪካን ብዓቢዩ ድማ ንኤውሮጳ ዝምልከት RealAudioMP3 ምዃኑ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘመልከትዎ ሓሳብ ትኵረት ናይ ዝተፈላለያ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መረኸቢ ብዙሃን ከምዝሰሓበ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድም ቀዳድም ራዲዮ ቫቲካን ምስ ከይዲ ምዕባለ ኢደ ጥበብ ዝጓዕዝ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ ታርኽ 80 ዓመት ዕድመ ራዲዮ ቫቲካን ዝተራእየ ኩነት እዩ። ማዕረ ማዕረ ምስ ምዕባለ ኢደ ጥበብ ዝተጓዕዘ ምዃኑ ዘነጽር እዩ፣ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ናይ 22 ዓመት ዕድመ ተልእኾኦም ብቐረባ ዝራኣዩዎብ በቐረባ ክዕዘብዎን ዝኸኣሉ ጭቡጥ ታሪኽ ምዃኑ ገሊጾም፣ ስለዚህ እቲ ብፍላይ ድማ ንኤውሮጳ ፈነው ራዲዮ ቫቲካን ብሓጺር ማዕበልን ማእከላይ ማዕበልን ምቁራጽ ብዙሕ ወጻኢታት ምድሓን ማለት ምዃኑን እዚ ድማ ኣብ ካልእ ኣገደስቲ መዳያት ንምውዓል ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጾም። ኢደ ጥበብ ዝቀያየር እውን እንተኾነ ምስቲ ምዕባለ ኢደ ጥበብ ማዕረ ማዕረ ምጉዓዝ ኣገዳሲን ግድን እንተኾነ እውን እቲ ምቅይያራት ነቲ ተልእኾ ራዲዮ ቫቲካን ወንጌል ምብሳርን ቃል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምቕላሕ ዝብል ብምዃኑ ዘይቀያየር ነባሪ ተልእኾ ኣይትንክፎንን ኣብሕቶ ኣየእትዎንን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.