2012-06-14 15:09:02

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (12/06/2012)
“ኣብ ገዛእ ርእሲ ምትእምማን ኣብ ዝብል ዓለም ብጸሎት ኣብ እግዚኣብሔር ምትእምማን ንመሃር”!


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ጸሎት ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ትማሊ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ RealAudioMP3 ኣብ ካልአይቲ መልኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ተመርኵይዞም “እግዚኣብሔር ኣብ ድኻምነትና ሰፊሩ ንድኻምነትና ናብ ሓይሊ ወንጌል ንኽቅይሮ መታን ብጸሎት ኵለንተናና ንኣኡ ነርህው” እንክብሉ ትርጉም እንታይነት ጸሎት ምስ ገለጹ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ርትዓውነት ሓዋርያዊ ተልእኾኡ ዘየሟጉት ምዃኑ ንኸረድእ፣ ዘቖሞም ማሕበረ ክርስትያንን ዝተጓዓዞም ኪሎ ሜትራት ከም ጭብጢ ኣይተጠቀመን፣ ከምኡ እውን ኣብ ምብሳር ወንጌል ዝተጓነፎ መከራን ተጻብኦን ኣብ ምዝካር ከምዘይተወሰነ ቅዱስነቶም እንከረድኡ “ምስ ጎይታ ዘለዎ እቲ ጽዑቕን ኩነት ሰቂለ ሕሊናን ዓሚይቕ ኣስተንትኖ ነቲ ምስ ጎይታ ዘለዎ ርክብ እዩ ዝሕብር እምበር እቲ ኣግዚኣብሔር ኣብኡን ብኣኡን ኣቢሉ ብዝፈጸሞ ተግባር ኣይተዓበየን” ኢሎም።
ዕለት ብዕለት ምስ ጐይታን ብቅዱሳት ምስጢራት ኣቢልና ምሳኡ እንፍጽሞ ርክብ ኣእምሮናን ልባትናን ናብቲ ናቱ ተስፋ ክነርህው ከምዘብቅዓና እንክገልጹ፦ “ኣግዚኣብሔር እዩ ናብኡ ዘብለና ናብ ገዛእ ርእሱ ብምስሓብ ወትሩ ንኣኡን ናብኡን ቀረባ መታን ክንከውን ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ብርሃንን ምጽንናዕን ኣናዓደለ እምባ ቅድስና ክንሓኩር ይድግፍና” ኢሎም ጐይታ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ደማስቆ ናይ ምልዋጥ ጉዕዞኡ ናብኡ ከምዝሰሓቦን እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ኣብ ድኻምነት ምልኣት ሓይሊ ከምዝኾነ ገዛእ ርእሱ ንጳውሎስ ገሊጹሉ እዩ። ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሕይወት ምእንቲ ጐይታ በቲ ዘጓነፎ ድኻምነትን ስደትን መከራን ሻቕሎትን ብርታዔ ክርስቶስ ስለ ዝግለጽን ዝሓድርን ኣይዕብለልን ኣዩ፦ “ጠባይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ተኸታልነት ክርስቶስን ምስክርነት ወንጌልን ዘጓንፍ መከራ፣ ብእምነት ንናይ ጐይታ ተግባር ገዛእ ርእስኻ ብምኻፋት ዝስገር ምዃኑ የረድእና። ናይ ገዛእ ርእስና ድኻምነት ተመኵሮ ኣብ እንገብረሉ እዋን እቲ ዘይርሕርሓና ንበይንና ዘይሓድገና እባ ደኣ ጸግዕን ሓይልን ዝኾነልና ብርታዔ እዚኣብሔር ይግለጽ። እዚ ንዓና እውን ዝምልከት እዩ። ጐይታ ካብ ክፍኣት ናጻ ዘውጽእ ዘይኮነስ፣ ኣብ ስቓይን መከራን ስደትን ክንበስል ዝድግፍ እዩ። ስለዚህ እምነት ኣብ እዚኣብሔር እንተድኣ’ለና ዋላ’ኳ እቲ ደጋዊ ሰብኣውነትና ኣንተፈራረሰ እቲ ውሳጥነትና ይሕደስን በቢ ዕለቱ ኣብ ፈተና የብስልን” እንክብሉ ገሊጾም።
ኣብ ምሕባር ምስ ጐይታ ምስ እንዓቢ እንፍጽሞ ጸሎት ዓሚዪቕ ከምዝኸውንን ከምኡ እውን መረጋገጺ መንግስቲ እግዚኣብሔር ውጽኢት ሓይሊ መጋበሪያታትና ከምዘይኮነ ከምእነስተውዕል እንከመልክቱ፦ “ብድኻምነትናን ንዝህበና ሓላፍነት ዘይብቝዑነትናን ኣቢሉ ዘደንቕ ተግባር ዝዓዪ እግዚኣብሔር እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ከይንተኣማመን ብደገፍ ጐይታ ኣብ ግራቱ ክንዓዪ ገዛእ ርእስና ከም ተነቃፊ ኣቕሓ መሬት ንኣኡ ከነወክፍ ትሕትና ክህልወና ይግባእ” ኢሎም።
ውሕስነት ብኸንቱ ከምዘይንዓዪ ኣብ ተግባር እግዚኣብሔር ምትእምማንን ዝብል እምነት ጥራሕ እዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዝርኤይ ስግኣት ኣብ ስሉጥነትን ኣብ ሓይሊ ሰብኣዊ መጋበርያታት ጥራሕ ምእማን ካብ ዝብል እምነት ዝምንጭ ምዃኑን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዳግማይ ርኽበት ሓይሊ ጸሎት ኣዙዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን፣ ንእግዚኣብሔር ምስትንትናን ዝማርኽን ዝምስጥን ዘሰንብድን እውን ምዃኑ ቅዱስነቶም እንከረድኡ፦ “ናብኡ ስለ ዝማርኸናን ልባትና ናብቲ ልዑል ጽባቔኡ ዝተነብረሉ ሰላምን ጽባቔነት ፍቕሩ እነስተማቕረሉን ስፍራ ስለ ዝስሕብ ዘደንቕ እዩ። ድኻምነት ሰብኣውነትና ዘይብቑዕነትናን ኣብ ሕይወትና ዝጻብኣና መንፈስ ክፍኣት ንምስናፍ እንገብሮ ጻዕርን ኣብ ስጋ ለበስ ምዃና ተሸንኪራ ዘላ እሾኽ ዝቕልዓሉ ብምዃኑ ድማ ዘሰንብ እዩ” ኢሎም፣ “ኣብ ሕይወትና ክርስቶስ ምስትንታን ካብቲ ጭቡጥነት ከንጽለና ኣይግባእን። እባ ደኣ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ንቑሓት ተዋሰእቲ ክንከውን ዘብቅዓና እዩ። ስለምታይ ብጸሎት ኣቢሉ ናብኡ ብምምራኽን ብምምንዛዕን ኣብ ህልው ኩነት ኅልዋትን ንብጻይናን ሓውናን ብፍቕሩ ቀረባ ክንከውን የብቅዓና” ቢሎም በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ናይቲ ዘስምዕዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድግማ ኣስሚዖም ብዘፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.