2012-06-09 16:58:03

፪ ሰንበት ዘጰራቅሎጦስ 2004 ዓ.ም. (6/10/2004)


መዝሙር፡ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሓዋርያት. . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 11፡23~ፍ፥ (ዕብራ 9፡11~15)፥ 1ዮሓ 2፡1~8፥ ግ.ሓ.2፡1~4፥ ማር. 14፡12~26
ስብከት፡ “ዐረገ ውስተ አርያም፥ ጸዌውከ ጼዋ ወወሃብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው፥ እስመ ይክሕዱ ከመ ይህድሩ” “አብ ላዕሊ ዓሪግካ ንምሩኻት ማረኽካ፥ ህያብካ ንሰባት ሃብካ፥ ዓመጸኛታት አብኡ ምእንቲ ክሓድሩ” መዝ. 88፡18።
መዝሙር፡ አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ክልተ ምርጫ አሎና።
1.“መንፈስ ቅዱስ ከም ሓዊ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ወረደ ብኹሉ ቋንቋ ኸኣ ተናገሩ”
2. ካብኣቶም ክዓረገ እንከሎ ምሳኻትኩም ንወትሩ ዝነብር ዓለም ክትወስዶ ዘይትኽእል ጰራቅሊጦስ ከአ ክሰደልኩም እየ፥ ዘኽታማት ኮንኩም አይክሓድገኩምን እየ።
አብ ዘመነ ጰራቅሎጦስ ስለ ዘሎና አብ መንጎናን ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ክንልምኖ እሞ በቲ ንሱ ዝሕብራና ክንምራሕ ዝሕግዘና ጊዜ ኢና ዘሎና። መንፈስ ቅዱስ ክምህረና አብ እምነትና ጽኑዓት ክገብረና እሞ ንስብከተ ወንጌል ብሕይወትና ብቃልና ብግብርና ክንሰብኮ እንብገሰሉ እዋን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለ ሕይወት ክቕየር ክሕደስ ግድነት እዩ። አብ ክልቲኡ ናይ እዚ ሰንበት መዛሙር እንርእዮ፡ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበሉ ብኹሉ ቋንቋ ክዛረቡ ጀሚሮም፥ ዓለም ክወስዶ ዘይኽእል ዘጸናንዕ ምሳኹም ንወትሩ ዝኸውን ክሰደልኩም እየ ዝብል ተስፋ ተቐቢሎም። ቤተክርስትያን ነዚ ጸጋ ለቢሳ ብተስፋ ብጽንዓት ትመርሓና። መንፈስ ቅዱስ አብ መንጎና ስለ ዘሎ አይንጠፍእን ዓለም አይክስዕረናን እዩ ግን ስቓይ ፈተና ምሳና እዩ። ተስፋ ከይቆረጽና ምስ መንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ርክብ የድልየና።
አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ አብዚ ሰንበት “Chorpus Christi” አብ ሃገርና ብጽልዋ ናይ ምስዮናውያን ብዓል ቅዱስ ቍርባን ኢልና እነብዕሎ ብፍላይ አብ ገለ ቍምስናታት ይብዓል እዩ። መሰረቱ ስርዓትና አይኮነን ንብዙሕ ዓመታት ስለ ዝተባዕለ ግን ከምናትና ወሲድናዮ ነብዕሎ። ብዓል ቅዱስ ቍርባን አብ እምነት ክርስትና ፍሉይ ቦታ አልኦ። ታሪኻዊ አጀማምርኡ አብ 13 ክፍለ ዘመን ብሓንቲ ፈላሲት “Juliana of Liege” አብቲ ንሳ ኢየሱስ ብዝገለጸላ ዝተመስረተ እዩ። ንሳ አብ መጀመርያ አብ ልባ ሒዛቶ ንሓደ 20 ዓምት ድሕሪ ጸኒሓ ነቦ ነፍስ ምስ ነገረት ካብኡ ናብ አቡን በጺሑ ብዕሊ ብ1246 ሮበርት ዝተባህሉ አቡን ናይ ሰበኻ ሲኖዶስ ጸዊዖም ክብዓል ጀሚሩ። ብ1264 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባን ፬ይ ዝተባህሉ አብ ኩሎም ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ብ“Transiturus de hoc mundo” እትፍለጥ ዓዋዲት መልእኽቶም ክብዓል አዊጆም። እዚ ብዓል ብፍሉይ ንስጋን ደምን ክርስቶስ ዝርኢ ብዓል እዩ፥ ብኻልእ አዘራርባ ንቅዱስ ቍርባን ዝርኢ ብዓል እዩ።
ስጋን ደም ክርስቶስ ክንብል ከሎና ብርእሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና እንኣምን። አብ መአዲ ንሓዋርያቱ ዝሃቦም ብሉጽ ህያብ ርእሱ እዩ። አብ መአዲ ፍቕሩ፥ ምስኦም ወትሩ ምህላዉ ገሊጽሎም። አብዚ መሰረት ገርና አብ መአዲ ፍሉይ ነገራት ይፍጸም፥ ዕርቂ፥ ለበዋ፥ ምኽሪ፥. . . . እኮታ ብዙሕ ነገራት አብ መአዲ እንከሎና ንፍጽም።
ሓደ ዝንገር ታሪኽ አሎ ሓንቲ ሕጻን ነዲኣ አብ ውሻጠ አዲኣ ምግቢ እናሰርዐት ነቲ ጣውላ እናአሰናደወት እንከላ አብ አእግራ እናተማላለሰት ከምዚ ኢላ ሓቲታታ። እታ ሰበይቲ አብ ጸጉራ ሓሓሊፉ ጻዕዳ ሽበት ይርኤ ነሩ ስለዚ ነዚ ዘስተውዓለት ሕፃን አደ ስለምንታይ እዩ አብ ጸጕርኺ ሓሓሊፉ ሽበት ዘሎ ኢላ ሓቲታት፥ አደ ከምዚ እናበለት መሊሳትላ “ንስኺ ሓደ ሕማቕ ክትገብሪ እሞ ክተጕህይኒ ከሎኺ ሓንቲ ካብ ጸጉረይ ጻዕዳ ትኸውን ኢላታ” ነዚ ዝሰምዐት ጉህያ ሕስብ ክተብል ጸኒሓ ከምዚ በለታ “አደ ስለምንታይ ድአ እያ ዓባየይ ኩሉ ርእሳ ጻዕዳ ኮይኑ” ኢላታ ይብሃል።
አብ ገዛ ቦታ መአዲ ብዙሕ ጸቡቕ ነገር ይግበር አብ መአዲ ብዓል፥ መርዓ፥ ናይ ምጽንናዕ መአዲ፥ ንክቡር ሰብ እነኽብሮ አብ መአዲ ንዕድም፥ ስድራቤት አብ መአዲ ብሓባር ይራኸቡ። ቦታ መአዲ ብፍሉይ አብ ምስራቓዊ ባህሊ ቅዱስ ቦታ እዩ። ብሓንሳብ ጀሚርካ ብሓንሳብ ትውድእ አብ በረኸት አምላኽ ምስታፍ እዩ ዘመልክት። ውሃብ መኣዲ ባዕሉ አምላኽ እዩ። መግቢ ከም ርድኢት ባህልና ቅዱስ እዩ፥ ከምገለ ሽራፍ እንተ ወደቐና ተሳሊምና ነልዕሎን ንበልዖን። አብዚ ሃገር ግን ከምኡ አይኮነን ብዝኾነ መአዲ ክቡር እዩ። አብዚ ተመርኲሱ እዩ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ዝለዓለ ክብሪ ዝውሃቦ። መአዲ አምላኽ ስጋን ደምን ክርስቶስ ስለ ዝኾነ።
አብ ቤተ ክርስትያን ብመልክዕ መአዲ ኢና እንከብ። ከም ሓንቲ እትአምን ማሕበር ክርስቶስ ኮና አብ መአዲ ክርስቶስ ንሳተፍ። አብ መአዲ ክርስቶስ ክንሳተፍ ከሎና አብ ምስጢር ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ከምብሓዲስ አብኡ ክንሳተፍ እሞ አብ ምስጢር ድሕነትና ክንኣቱ ኢልና ኢና።
አብ ብሉይ ኪዳን አብ ዘጽኣት 24፡3~8 ዘሎ እንተ አንበብና እቲ አምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል ዝአተዎ ኪዳን ብስርዓት ደም ከም እተፈጸመ አምሳል ናይ እቲ አብ ሓደ ደምን ሕይወትን ምስታፍ እዩ። እዚ በቲ አምላኽ ዝበሎ ብሓጺሩ ክርኤ ይክኣል “ ንስኹም ህዝበይ ኢኹም አነ ኸአ አምላኽኩም እየ”።
አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ምዕ. 9 እንተ አንበብና ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን ናይ እንስሳ መስዋዕቲ ምስቲ ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ እናአወዳደረ ይገልጾ። ኢየሱስ ብሞቱን ትንሣኤኡን ሓዲስ ኪዳን አብ መንጎ ደቂ ሰብን አምላኽን አትዩልና። ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢልና አብ አምላኽ ክንቀርብ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክንሳተፍ ምሉእ ዕድል ተኸፊትልና።
ወንጌል ማርቆስ ነቲ ኢየሱስ ዝበልዖ ናይ መጨረሽታ ፋሲካ አብቲ አዳራሽ ዝፈጸሞን ይነግረና። አብ መአዲ ምስተቐረቡ ሰለስተ ነገራት ኢዩ ንኢየሱስ ተፈታቲንዎ፡
    ክሓድገና አልኦ እንተ ኾነ ምሳና ክነብር ከአ ደልዩ። ነዚ ጸገም ከመይ ገሩ ክፈትሖ ክኢሉ? ዝበሎ ንስማዕ፡ “እዚ ስጋይ እዩ እዚ ደመይ እዩ”። እቲ ህብስትን ወይንን፥ ልክዕ ከም ኩሉ ህብስትን ወይንን ይመስል፦ ይጥዕምን ግን አይኮነን። አብቲ ናይ ዝተንስኤ ክርስቶስ ስጋም ደመን ተለዊጦም አብ መንጎና ንዘለዓለም ከምዘሎ ይሕብሩና።
    ምእንቲ ነፍስወከፍና ክመውት ደልዩ እንተኾነ ከም ሰብ ሓደ ጊዜ መይቱ። ነዚ ከመይ ገርና ክንርድኦ ንኽእል። አብቲ ንሱ ዝበሎ ንርኤ፡ “ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” ኢልዎም። እቲ ልክዕ እቲ አብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ዘመናት ምእንታና ዝተሰውዐ እንተገና ብምስጢራዊ መገዲ ሎሚ አብዚ መንበረታቦት ተመሊሱ ሰዋዕን ተሰዋዕን ኮይኑ አሎ።
    ምሳና አብ መንጎና ክኸውን ይደሊ እንተኾነ ምስቲ አብ ሰማይ ዘልኦ ከምይኢሉ አብ መንጎና ይኸውን። እንደገና አብቲ ቃሉ ዝብሎ ንመለስ፡ “ውሰዱ እሞ ብልዕዎ፥ ውሰዱ ስተይዎ” ክብል እንከሎ ኢየሱስ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ምስኡ ሓደ ክንከውን ይዕድመና።

በዚ ሰለስተ መገዲ ኢየሱስ ነቲ ከምጸገም ኮይኑ ዝርኤ ነገራት ከም እንርድኦ ገርዎ፥ ማለት፡ እቲ እንገራን ወይንን ብምስጢራዊ መገዲ አብ ስጋን ደምን አብ ናይ ዝተንስኤ ክርስቶስ ይቕየር፥እቲ ምእንታና ከም ገንሸል ዝተሰውዐ ክርስቶስ ሎሚን ኩሉ ጊዜን አብ ናይ መስዋዕቲ መአዲ አብ መንጎና አሎ።
ምሳና ምእንቲ ክኸውን ቍርባን ሂቡና፡
እንታይ እዩ ምስጢር ወይ ጥቕሚ ናይ እዚ እንበልዖ ህብስቲ? እዚ እንሰትዮ ጽዋእ? አብ ናይ እምነት ማሕበር ሓደ ክገብረና ምእንቲ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝበሎ፡ “እቲ ህብስቲ ሓደ እዩ ንሕና ወላእኳ ዝተፈላለና ንኹን ሓደ ኣካልት ኢና” ይብል። እዚ እንበልዖ ህብስቲ እዚ እንሰትዮ ደም አብ ዓሚቕ ሓድነት ማሕበር ጥራሕ አይኮነን ዘምጽኣና፥ አብቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ብዘሎና ጊዜን ዓቕምን ክንልኣኽ ሓይልን ትብዓትን ይህበና።
ብሓደ ዝማሰል ታሪኽ አብ ዓዲ ጣልያን አብ ሚላኖ ዝተገብረ ክዓጽዎ ስብከተይ፡ ፑቺኒ ዝተባህለ ምሁር ሰብ ሓደ ምርኢት ከሰናዱ እንከሎ ሕማም መንሽሮ ከምዝሓዞ ተነጊሩ ብሓቂ ሕማቕ ሕማም። ፑቺኒ ምስ ሕማሙ ክቀዳደም ፈቲኑ እንተኾነ መንሽሮ ዕድል ስለ ዘይሃቦ ነቲ ዝጀመሮ ምርኢት ድራማ ተመሃሮኡ ክቕጽልዎ ተላቢይዎም። ንሱ ብ1924 ቅድሚ ምርኢቱ ድራምኡ ምውድኡ መይቱ። ተመሃርኡ ነቲ ምርኢት ድራማ ወዲኦሞ አብ ምርኢት አቕሪቦሞ።
ነቲ ምርኢት ዘርእን ዝመርሕን ዝነበረ ነቲ ምርኢት እናአርአየ አብታ ፑቺኒ ዝሓደጋ ምስ በጽሐ ደው ኢሉ። ዓው ኢሉ ኸኣ ክሳብ አብዚ እዩ እቲ መምህር ጽሒፉ ኢሉ ግን ተመሃሮ ናይ እቲ መምህር ነቲ ድራማ ምርኢት ፈጺሞሞ ኢሉ ነጊርዎም። ኩሉ ተዓዛቢ ብዓኒ ጣቕዒት አሰንይዎ።
ንሕና ኩልና ከምዞም ተመሃሮ ኢና። ክርስቶስ መምህርና ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ናይ ድሕነት ስራሕ ተልእኮ ናይ አገልግሎት ሕይወት እናነበርና ክንፍጽም ይደልየና። ምእንቲ ካልኦት ኩሉ ክንገብር አትኩሮና አብ ሓገዝ አሕዋት ክንገብር ይደልየና። በዚ አጋጣሚ አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎ ክርስቶስ ንኹልኹም ደጋጊሙ ሓይሉን ጸግኡን ክህበኩም ጊዜኹም ንብረትኩም ነቶም አብ ከባቢኹም ዘለዉ አብ አገልግሎት ክተሕልፍዎ ብፍላይ ንስድራኹም፥ ቤተሰብኩምን አዕሩኽኹምን ጎረባብትኹምን መሳርሕትኹምን ኩሎም እትፈልጥዎም ክሕግዘኩም ምእንታኹም እጽሊ። ሎሚ ከም ቀደም ስግኡን ደሙን ዝህበና ኢየሱስ ብንጹሕ ሕልና ተቐቢልና ተሳተፍቲ ጸግኡን ምሕረቱን ይግበረና።
ርሑስ ብዓል ቅዱስ ቍርባን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.