2012-06-09 15:59:33

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ቅዱስ ቁርባን መላእ ዕለታዊ ሕይወትና የምዕሮ”።


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዓቢይ በዓለ ቅዱስ ቍርባን ኣኽቢራ ከምዝወዓለት እንክንገር፣ በዚ ዓቢይ በዓለ “Corpus Domin- ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡረ ደሙ” ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ፍጻሜ ካብቲ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ተበጊሱ ክሳብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ብቑዱስ ቍርባን ተመሪሑ ዝተፈጸመ ዑደት ከምዝመርሑ ነቲ ዓቢይ በዓል ብቐረባ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ትኵረት ዘይግበረሉ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቍርባን ብፍላይ ድማ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጸም ኣምልኾን ናይ ቅዱስ ቍርባን ቅዱስነት ዘማእከለን፣ ካላኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣጽቢብካ ብኸፊል ብምትንታን ቅዱስ ቍርባን፣ እግዚኣብሔር ሕዝቡ ንጉባኤ ኣብ ዝዕድመሉ እዋን ጥራሕ ዝበዓል ኮይኑ ንኽሕሰብ ከምዝድረኸን፣ ስለዚ ቅዱስ ቁርባን ምሉእ ብምሉእ ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኢየሱስ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝፍጸም ምራኻብ ዘተኰረ ጥራሕ ኮይኑ ክንበር እንከሎ፣ እዚ ድማ ካብ ግዜ ሥርዓት ቅዳሴ ወጻኢ ቀጻሊ ኅላዌ ቅዱስ ቁርባን ከምዘየለ ጌርካ ንምንባርን ንምሕሳብን ሓደጋ ከምዘቃልዕ ክገልጹ እንከለዉ፣ “ኅላዌ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ጥራሕ ተሓጺሩ ክተርፍ እንከሎ “ትርጉም ቀጻሊ ኅላዌ ኢየሱስ ኣብ መንጎናን ምስናን ጭቡጥን ቀረባን ኣብ ገዛናን ህርመት ልቢ ከተማታትና ሃገርናን ብዝተፈላለዩ መግለጽታቱን ንጥፈታቱን ብትኽክል ንኸይንርዳእ እዩ ዝድርኸና። እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ፍቕሪ ምስጢር ኣብ መላእ ዕለታዊ ሕይወትና ዝሰርጸ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።
ኩሉ ብሓባር ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ኅልው ዝኾነ ጐይታ ፊት ብሱቕታን ጽሞናን ኣሰንዩ ዝፍጽሞ ነዊሕ ኣስተንትኖ ህልዊ ተመክሮ፣ መግለጺ ሓቀይና ቤተ ክርስትያናውነትና እዩ፣ ምስ በሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ናይ ፍቕሪ ምስጢር ኣብራኽካ ዓጺፍካ ዝንበር ሕይወት ትርጉሙ ምስቲ ውልቃዊ-ነንሓድሕድ ርክብ ኣተሓሒዞም እንከረድኡ፦ “ቅዱስ ቁርባን ክቕበልን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቅርባንን፣ ማለት ንኽቕበሎ ቅድም ክፈልጦ ኣሎኒ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብሱቕታን ጽሞናን ህልው ክኸውን ኣሎኒ፣ ብፈቃር ጽንታን ኣተኩሮን ክሰምዖ ይግብኣኒ። ሓቀይና ፍቕሪን እውነተይና ዕርክነትን ነቲ ሓድሕዳዊ ቆላሕታን ጽዑቕን ኣንደበተ ርቱዕን ኣመና ዘኽብርን ዘድንቕን ጽሞናን ብሓባር ዝነብር እዩ” ኢሎም።
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ናብቲ ፍሉይነት ክብሪ ቅዱስ ቍርባን ዝብል ነጥቢ ቃል ስብከቶም ሓሊፎም፣ እቲ ኣብ ስልሳታትን ሰብዓታትን ማለት ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝተወልደ ሥነ ዓለማውነት ባህሊ፣ ነቲ ሓድሽ ክርስትና ብዛዕባ ኣምልኾ ዝገልጾ ናይቲ ኣምልኾ ማእከል ኣብ ሥርዓትን ጥንታውያን መስዋዕትን ዘይኮነስ ገዛእ ርእሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዘትቃልብ ምዃኑ እንከረድኡ፦ “ንኣብነት ብዓለማውነት ባህሊ ዝተጸልወ እምነትን ምልክታ ቅዱስነት ኣየድልን ብዝብል ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ዜጋውነት ባህሊ ብቕዱስ ቁርባን ተመሪሑ ዝፍጸም ዑደት ተወጊዱ ኔሩ እንተዝኸውን ጐድናዊ ትርኢት መንፈሳውነት ሮማ ምስተጸቕጠን ምስተወገደን፣ ናይ ንፍሲ ወከፍ ውልቃውን ማሕበራውን ኅሊና መዳኸመ እውን ኔሩ”
ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ነቶም ጥንታውያን መስዋዕቲ ዝትክእ ኰይኑ ብምቕራብን ምሥጢር ቅዱስ ሥጋሁ ወክብሩ ደሙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሥርዓት ንደቀ መዛሙርቱ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሠረት ወትሩ ኅልው ገይርዎ ኣዩ። በዚ ዓይነት እምነት’ዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዛ ዕለት እዚኣን በቢ መዓልቱን እቲ ናይ ሕይወትና ማእከልን ሕመረት ዓለምን ዝኾነ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ኢና እነብዕልን እነምልኽን” እክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.