2012-06-09 16:04:40

ርእይቶ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ቅድሚ ትማሊ ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ኣብ ኢጣሊያ ስድራ ቤት ዘማእከለን ስድራ ቤት ዜጋ ሕብረተሰብ ምዃኑ ዘረጋግጽ ናይ ማእከላይ መደብ ኮይኑ ነቲ ክሳብ ሓጂ ዝነበረ RealAudioMP3 ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ፖለቲካ ዝኽተሎ ዝነበረ ናይ ዘይ ስሩዕነት ኣገባብ ዘተኻኽል ምዃኑ ብምግላጽ ዘጽደቖ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ውሳኔ ብዝምልከት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ርእዮቶ ከምዘቕረበ ተገሊጹ።
ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፓውሎ ጀንቲሊ እቲ ናይ ኢጣሊያ መንግሥቲ ዘጽደቖ ውሳኔ ሓልዮ ስድራ ቤት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ኢጣሊያ ንናይ ቤተሰብ ሓልዮ ኣሚቱ ዘጽደቖ ውሳኔ እቶም ዝሓለፉ መንግሥታት ዝጀመርዎ ኣብ ፍጻሜ ዘየብጽሕዎ ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ብምዃኑ ብሓቂ እወታዊ ከምዝኾነን ሓቢሮም ስድራ ቤት ናይ ምዕባለ ረቛሒ ስለ ዝኾነ ድማ ሃብቲ ሕብረተሰብ እዩ ኢሎም።
ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ሳልሳይ ውላድ ወይ ድማ ብዝሒ ቆልዑ ንሓንቲ ስድራ ቤት ሃብቲ ከምዝኾነ ክሕሰብ እንከሎ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታን ነዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ዝድግፍ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ፖለቲካ ኣብ ኢጣሊያ ገና የሎን፣ ምእንቲ’ዚ ነዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ዝድግፍን ነቲ ዝኣርግ ዘሎ ሕብረተሰብ ዝሕድስ ናይ ምውላድ ድላይ ዘተባብዕ መደብ ፖለቲካ ክረጋገጽ ተስፋ ንገብር እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.