2012-06-08 09:12:16

እስራኤል፦ መጥቃዕቲ ጸረ ስደተይናታት


ኣብ ውሽጢ ሓደ ወረሒ ቅድም ኣብ ተል ኣቪቪ ቀጺሉ ኣብ እየሩሳሌም ጸረ ስደተይና መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ጽልኢ RealAudioMP3 ስደተይናን ተግባር ዓሌታውነት ዝገልጽ ከምዝኾነን፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ስደተይናታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ዓሌታውነት መንፈስ ዝነቐለ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ናይ ስደተይናታት ኤርትራውያን መንበሪ ቤት ምእንቲ ሞቶም ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዝወረደ ኣብ እስራኤል ናይ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ስደተይናታትን ስደተይናታት ሰራሕተይና ጉዳይ ሓልዮ ኣወሃሃዲ ኣባ ዳቪድ ኔውሃውስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም።
ብትኽክል ኣብ እስራኤል ጽልኢ ስደተይና ይብእስ ከምዘሎን፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ናይ መጻኢ ዕድሎም ከጣጥሑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተሰዱ ዑቕባ ሓተትቲ ልዕሊ 60 ሺሕ ኣፍሪቃውያን ስደተይናታት ዓቢ ስግኣት እዩ። እዞም ስደተይናታት እቶም ብትሑት መነባብሮ ዝመሓደሩ ዜጋታት እስራኤል ኣብ ዝነብሩሉ ክፍሊ ከተማታት ዝቕመጡ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ድኻታት ዜጋ እስራኤል ነቶም ስደተይናታት ከም ስግኣት ክርእይዎም ከምዝጀመሩን፣ እዚ ድማ መንግሥቲ እስራኤል ብቑዕ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ፖለቲካ ኮነ ሕጊ ከምዘይብሉ ዘነጽር እዩ። ዕለት 23 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ጸረ ስደተይናታት ኣሚቱ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓቂ ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይዅን ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽበን ዝሓልፍ ዝነበረን ኣፍሪቃዊ ስደተይና ክፍጸም ተራእዩ እዩ። ቅድሚ ክብል ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ደቀ ንስትዮ ናይ ግብረ ስጋ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ እውን ዝዝከር ኮይኑ፣ ናይዚ ዓመጽ ምኽንያት ገዛእ ርእሱ ኣቲ ኣፍሪቃዊ ስደተይና ምዃኑን፣ እቲ ስደተይና እንተዘይህሉ እቲ ዓመጽ ኣይምትፈጸመን ዝብል ድኹም ዘይ ስነ ሞጎታዊ ትንተና ካብ ብብዙሓት ናይታ ሃገር ጋዜጣታት ክወሃበሉ እውን ተራእዩ እዩ።
ቅድሚ እቲ ዕለት 23 ግንቦት ዝተፈጸመ ጸረ ስደተይና ኣፍሪቃዊ ዓመጽ፣ ናይታ ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስተርን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሓለፍቲ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶን ንገዛ ርእሶም መራሔ መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ ስደተይናታት ኣመልኪቶም ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጥቓዒ ብምንባሩ፣ ነቲ ዓሌታውነት ተግባር ኣጓሃሂርዎ እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ፖለቲካን መንግስትን ኣካላት ብዛዕባ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ኣመልኪቶም እንክዛረቡ ዓመጽ ካብ ዘለዓዕል ዘረባ ተቖጢቦም፣ ስልጡንን ብሱልን መፍትሒ ንኽደልዩሉ ኃላፊነት ክስምዖም እምበር ብሱቕታ ክርእዮን መጓሃርያ ጽልኢ ስደተይና ከይኮኑ ዝሕተት ኩነት እዩ። ብዙሓት ዓሌታውነት ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ተጠቂሞም ድኻታት ዜጋታት እስራኤል ጸረ ስደተይና ተግባር ከለዓዕሉ ይድርኹ ኣለዉ፣ ኣብ እስራኤል ዘይሕጋዊ ስደተይናነት ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰረቲ ዘፍርድ ምዃኑ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ንብሔራው ሃገር ጸጥታን ድሕነት ሓደጋ ተባሂሎም ስለ ዝግለጹ፣ ድኽነት ዓመጽን ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ደሪኽዎም ዝስደዱ ክነሶም ንመላእ ስደተይናታት በዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ብጃምላ ምግላጾም ንገዛ እርእሱ ነቲ ጸረ ስደተይናን ዓሌታውነትን ተግባር ምጉህሃር እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.