2012-06-08 09:12:34

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰላም ሽግ ባሪኾም


ዕለት 6 ሰነ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ፈጸሙ፣ ናይቲ ኣብ ኢጣሊያ በቢ ዓመቱ ካብ ማቸራታ ናብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝፍጸም ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ምልክት ዝኾነት ሽግ ከምዝባረኹ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ ማቸራታ ናብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝፍጸም ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ በቢ ዓመቱ ዕለት 9 ሰነ ዝካየድ ከምዝኾነ እንክዝከር፣ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምርህተ ክርስቶስ ዝተሳትፉ እቲ ካብ ማቸራታ ክሳብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝፍጸም ናይ ሰላም ጉዕዞ እግሪ ካብ 1978 ዓ.ም. ዘበገሱ ፈላሚ እቲ መደብ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፋብሪያኖ ማተሊካ ጳጳስ ኣብ ማቸራታ ናይ ስነ ሃይማኖት መምህር ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ቨቸሪካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገርዎ ቃለ ምልልስ፣ መንእሰይ ወለዶ ብክርስትያናዊ ሕይወት ተመኵሮ ንቁሕን ህያው ተሳታፍነት ክህልዎ ንምድጋፍ ተሓሲቡ ዝተበገሰ መደብ ከምዝኾነን፣ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምኡ እውን ኣብ ቅዳሴን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ቤተ ክርስትያን መደብ ኣገልግሎት ክዋሳእ ናይ ሕውነትን ዕርክነትን መንፈስን፣ ሰላማዊ ማሕበራዊ ሕይወት ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ግዴኡ ኣብ ምብርካትን ድላይን ክበርኽ እቲ ድላይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል መታን ክበቅዕ ንምድጋፉ ኣሚቱ ዝተበገሰ መደብ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እዚ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ’ዚ በቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዓለማውነት ባህሊ ምኽንያት ክዝሕትል እውን እንተተራእየ፣ በቲ ኣብ ማቸራታ ብዝፍጽምዎ ናይ ስነ ሃይማኖት መምህር ኣገልግሎቶም መሠረት ድሕሪ ዝኾነ ይዅን ዓመታዊ ናይ ትምህርቲ ዘመን ሥራሕ ፍጻሜን ዝመጽእ ናይ ዕረፍቲ እዋን፣ ባዶ ጊዜ ማለት ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ንእግዚኣብሔር ምስጋና እነቕርበሉ ክቡር ጸጋ ምዃኑ እናስተምሃሩ፣ መንእሰይ ዳግም ኣብቲ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ንቑሕ ተሳታፊ ክኸውን ከምዝተባብዑ ገሊጾም፣ ኣብ 1993 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ምስ በጽሔ ንመጠቓለሊ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ኣቕሪቦም ነቶም መንስያት ነቲ በቢ ዓመቱ ዝፍጽምዎ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝመርሕ ትእምርቲ ዓቢይ መስቀል ባሪኾም ከምዘወፈዩን ነቶም ተሳተፍቲ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ናይ ሰላምን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ትርጉም ሕይወቱ ማእከል መስቀል ምዃኑ ብሰፊሕ ዘረድእ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ዘይርሳዕ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.