2012-06-05 14:02:48

ሓድሽ ቃል ብስራት ስድራ ቤት ኣብ ሚላኖ


እቲ ካብ ዕለት 30 ግንቦት ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም. ብሓልዮ ስድራ ቤት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ተዳልዩ ኣብ ሚላኖ ዝተኻየደ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት፣ ከይድታቱን ፍጻሜታቱን ብዝምልከት ካብ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣንቶነላ ፓለርሞ ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፣ ኣብ ሚላኖ ዝተኻየደ ሻብዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሓድሽ ቃል ብስራት ስድራ ቤት ዝተራእየሉ እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ጸብጻብ ከምዝሃቡሉ እንክሕበር፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዓቢይ ሓጎስን ውዕዉዕ ስምዒትን ዝተራእየሉ ከምዝነበረን፣ ሽሕ’ኳ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉባኤ መደባቱን መርሃ ግብርታቱን ጽዑቕን ሰፊሕን እውን እንተነበረ፣ እቲ ጉባኤ ብከተማ ሚላኖን ብህዝብን ብመራኸቢ ብዙሃንን ዓቢይ ቆላሕታ ዝተገበረሉን ፍቕርን ምክብባርን ዘድምዔ፣ ብፍላይ ድማ ዓሚዩቕ ተሰማዕነት ዝረኸበ እዩ። ብሓጺሩ እቲ ናይ ሚላኖ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት፣ እዋናዊ ወንጌል ስድራ ቤት ብዝብል መለለዪ ከምዝግለጽን፣ ክርስትያናዊ ርእየት ስድራ ቤት ዝተቓልሓሉ እዋናዊ ቃል ብስራት ስድራ ቤት እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንስድራ ቤት ዘይድግፍ ኩነትን ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ብሰፊሑ ዝርአይ እውን እንተኾነ፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ነዚ ኩነት ካብ ምንቃፍ ተቖጢቡ ናይዞም መሰናኽላት መንቀሊ ኣለልዩ መፍትሒኡ ንኽልለ ዝዘተየ እዩ። ስለዚህ ስድራ ቤት ዘለዎ ክቡር ዋጋ ዘቓልሔን ፍቕሪ ዝጠልቦም ክቡራት ዋጋታት ምርድዳእን ምድግጋፍን ይቕረ ምብህሃልን ምክብባርን ናይ ፍቕሪ ውበትን ውህበትን ብዝተፈላለየ መዳይ ዝተገለጸሉን ንዓለም ዝተበሰረሉን ጉባኤ እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና እቲ ጉባኤ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ዘቓልሔን ብዝሃብዎ መሪሕን ሥልጣናዊ ቃልን መሠረታዊ ትርጉም ጉባኤ ስድራ ቤት ኣነጺሮም፣ ስድራ ቤት ዓንዲ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ዝመስከረን እዩ። ቅዱስነቶም ነቶም ምስጢረ ተክሊል ኣኽቢሮም ዝነብሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ብዝተፈላለዩ ሽግራት ምስጢረ ተክሊል ዘፍረሱ ከይረስዑ፣ እቲ ቃል ኪዳን ምፍራስ ዘስዕቦ ዓቢይ ሰብኣውን ማሕበራውን ሽግርን ስቓይን፣ ቅዱስ ኣቦና ብዓይኒ እምነትን ከም ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብዑምቀት ዝረድእዎ ከምዝኾነ ዝተረጋገጸሉ ጉባኤ ኮይኑ፣ ነዞም ኣብዚ ሽግር ወዲቖም ንዝርከቡ ቤተ ክርስትያን ከምዘይትርሕቖምን ከምዘይተርሕቆምን ኣረጋግጺም፣ ከሰንዮም ዝኽእልን ቅርበት ቤተ ክርስትያን ዝምስክር ነቲ ጉዳይ ብትኽክል ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክምዝተባባዕ ገሊጾም፣ ቤተ ክርስትያን ቅድምን ሎምን ነዞም ደቃ ከምእትሓስብ መስኪሮም እዮም እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣምብሮዚዮስ ቅድሚ ጸዋዕታ ክህነትን ናይ ሚላኖ ጳጳስ ኮይኑ ምሽያሙን ኣመሓዳሪ ጉዳይ ብሔር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበን፣ ብዛዕባ ሓላፍነትን ግቡእነት ፍትሕን ዘስተምሃሮን ዝነበሮን ካህንን ጳጳስን ኮይኑ ዘቃለሖ መልእኽትታቱ ቅዱስነቶም ዘኪሮም እዚ ናይ ሚላኖ ሓላዊ ቅዱስ ንክርስትናን ስድራ ቤትን ናይ መንግሥቲ ኣካላትን ኣመሓደርቲ ጉዳይ ብሔር ኣብነት ምዃኑ ገሊጾምዎ እዩም፣ እዚ መልእኽቲ’ዚ ብሓቂ ክስትንተን ዘለዎ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጸብጻብ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.