2012-05-31 14:57:45

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (30/05/2012)
“ዋላ’ኳ ድኻምነት ሰብ ይሃሉ፣ ቤተ ክርስትያን ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ኣብ ብርቱዕ ምንዋጽ ወትሩ እግዚኣብሔር የጸናንዕ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለተ ረቡዕ 30 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ እንክምልከት፣ ቅዱስነቶም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስደባባይ ኣስተምህሮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጽን ክብሉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ እቲ ኣብ ጸሎት ኣሞርኪዞም ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮኦም ትርጉም ጸሎትን ኣብ ጸገም ናይ RealAudioMP3 እግዚኣብሔር ምጽንናዕን ብዘተኮረ ቅዉም ነገር ኣማእኪሎም ብምቕጻል፣ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ቍጡብ ሰነዳት ቫቲካን ብሕቡእ ብገለ ገለ ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ምዝርጋሕ ተግባር ዓቢይ ጓሂ እውን እንተስዓበሎም እምነት ኣብ ደገፍ እግዚኣብሔር ንመላእ ቤተ ክርስትያን ጽኑዕ ርጉጽነት ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ እንክገልጹ፦ “ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ዓበይቲ ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ምሕደራዊ ማእከል ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኸስቱ ተግባራት ዓቢ ጓህይ ዝሕደረሎም እውን እንተኾነ፣ ዋላኳ ድኻምነት ሰብ፣ ኣብ ሽግርን ፈተናን፣ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ከምእትምራሕን እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያኑ ኣብ ጉዕዞኣ ደገፉ ካብ ምቕራብ ፈጺሙ ከምዘየቡክር ንዘሎኒ ጽኑዕ እምነት ኣየደበኖን” ቢሎም፣ “መራኸቢ ቡዙሓን ካብቲ ዝተኸስተ ዘሕዝን ተግባር ብምብጋስ ኣብ ሓደ ውስን ርእዮቶ ብምብጻሕ ዝህባሉ ዝተራብሔን ዝተጋነን ካብቲ ጭብጥ ውጻኢ ዝኾነ ምስሊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ምቕራብ ዘመተ ተጸሚደን ላዕልን ታሕትን ክብላ ዝተራእየ እውን እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርተይን ኣብቶም ብተጋድሎን ብተኣማንነትን ብጽምዋን እቲ ዝተቐበልክዎ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍጽም ኣብ ልዕሊ ዝድግፉኒ ዘሎኒ እምነት ደጊመ እናሐደስኩ የተባብዕ” ኢሎም።
“ኣብ ምንዋጽ ምጽንንዕ እግዚኣብሔር ኣይፍለየናን እዩ፣ ንሕና ብወገንና እውን እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንዝርከቡ ከነጸናንዕ ይግብኣና ቢሎም፣ ኣብ መልእኽትታት ቅዱስ ጳውሎስ ኣደጊፎም ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፣ ኣብ ካለኤይቲ መልኽቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ንእግዚኣብሔር ምስጋና እንከቕርብ፣ ስቓይን ምፅንናዕን ኣተሓሒዙ እንክዛረብ፣ ምጽንናዕ ተራ ምጽንናዕ ማለት ዘይኮነስ በዝኽሰት ሰቓይን ጸበባን ኩነት ከይተሰነፍካ ዘበራታዕን መተሓሳሰብን ኮይኑ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጸሎትና ኣብ ናይ ክርስቶስ ስቓይ ዓሚይቕ ሱታፌ ኣብ ህላዌ ክርስቶስ ዘሎ እምነትን ናብቲ ናይ ኣሕዋት ስቓይን ጸበባን ተኻፋልነት ንኽህሉ ናብ ዘብቕዕ ድልውነት ዝመርሕ እዩ”።
“ሕይወትናን ክርስትያናዊ ጉዕዞናን ብዙሕ ግዜ ብጸገምን ስቓይን ብዘይተሰማዕነትን ብዘይምርዳእን ዝተመልኤ እውን እንተኾነ፣ በቲ ምስ ጎይታ ዘሎና እሙን ርክብን ጽኑዕን ቀጻልን ዕለታዊ ጸሎት ኣቢልና እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ምጽንናዕ ጽን ክንብልን ብጭቡጥ ከነስተማቕር ከምእንኽእል” ሓቢሮም፣ “እዚ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ትስብኣቱ (ለእግዚእነ) ክርስቶስ ዝተረጋገጸ ወዱ ክሳብ ኣብ መስቀል ነኸወፍይ ዝድርኾ ናይ ፍቕሩ ተኣማንነት መግለጺ ዝኾነ ኣብ ጭቡጥ ድልውነት እግዚኣብሔር ዘሎና እምነትና ዘበርትዕ እዩ”።
ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ብዙሕ ግዜ እውን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዝፍጠሩ ምግርጫዋት፣ ኣብቲ ትግሃትን መስዋዕትን ዝሓትት ዝስዋእ ፍቕሪ ከይንጸንዕ ዝተዳለና እውን እንተኾንና፣ እዚኣብሔር እቲ ኣባና ዘለዎ ትዕግሥቲ ከየብኮረ በቲ ዓቢይ ምሕረቱ ቀቅድሜና እናሰዓበ ንምርኻብና ዝቐድም እዩ። እዚ ምሉእ ናይ እግዚኣብሔር ንዘረኢ ሰብ ሕራይ ምባል ተኣማኒ እዩ። ኣብ ናይ መስቀል ኩነት እቲ ዘይጸባጸብን እንካን ሃባን ዝብል መምዘኒ ዘይብሉ ናይ ፍቕሩ መምዘኒ ምሉእ ፍቕሪ ኣወፍዩልና እዩ”።
“ጸሎት ምስ ሓደ ጽን ክበሃል ዘለዎን መዛተይ ዝኾነ ህያው ሰብ ርክብን ምስቲ ነቕ ዘይብል ንዘርኢ ሰብ-ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ናይ ሕይወት ነውጽን ማዕበላትን ህያዋንን ህልዋትን ክገብርና ምስቲ ምልኣተ ሓጎሱን ሰናይነቱን ዝኾነ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምስ ዝፍጸም ህላዌነት ንኽንሓብር ዘብቅዓና ምጽንናዑ ዝጽግወሉ ምሉእ እነዅ ዝብል ተኣማንነቱ ዝሕድስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ማለት እዩ” ቢሎም ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመና ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.