Home Archivio
2012-05-29 13:41:15
ለንደን፦ ካብ እንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም. Anglicanorum coetibus-ጉጅለ ኣንግሊካውያን” ብዝብል ኣርእስቲ ነቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክምልሱ
ዝሓቱ ኣንግሊካውያን ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ዘመሓድር ዝኣወጅዎ ሓዋርያዊ ስርዓት ክፍሊ ሓዋርያዊ ቅዋም መሠረት ዝሓለፍ ዕለት 26 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ርክስትያን ዝተመልሱ 17 ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን መጋብያን ኣብ ለንደን ወስትሚንስተር ብመሰረት ኣንግሊካኖሩም ኮኤቲቡስ ሓዋርያዊ ሕግ ዝቖመ ነቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝምለሱ ንኣንግሊካውያን ሓልዮ ካብ ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ብፁዕ ኣቡነ ከቲህ ኔውቶን ናይ ውክልና ሓላፍነት ብዝተቐበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣላን ሆፐስ ማዕርገ ድቁና ክምእተቐበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቶም ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተመልሱን ማዕርገ ድቁና ዝተቐበሉ 17 ነበር ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክስትያን መጋብያን ኣብ ቀረባ እዋን ማዕርገ ክህንት ክቕበሉ ምዃኖን ዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2012 ዓ.ም. ዝወዓለ ሰሙነ ሕማማት ጥራሕ 250 ኣንግሊካውያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ከምእተመልሱ ኣመልኪቱ።
All the contents on this site are copyrighted ©.