2012-05-25 15:01:00

ቀጻሊ ግጭት ረፓብሊክ ኮንጎ ፡


ብጠንቂ”ቲ አብ ሰሜናዊ ረፓብሊክ ኮንጎ ኪቩ ዝተብህለ ዞን ዝካየድ ዘሎ ግጭት አብ ውሽጢ ሕደ ሰሙን ናይ ሚእቲ ሰባት ሕይወት ከም ዝጠፍኤ ክምልከት ከሎ ህዝቢ ንሕይወቱ ሰጊኡ ካብ ቤት ንብረቱ ክዘናበል ከም ዝጀመረ ሚስና አገልግሎት ዜና አገንዚቡ።ምብራቃዊ ረፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ጉጅለታት አብ ህውከት ከም ዝርከብ እቲ አገልግሎት ዜና አመልኪቱ ። ብጥረ ነገር ሀብታም ዝኾነት ረፓብሊክ ኮንጎ አብ ቀጻሊ ዝኾነ ህውከት ከም ዝወደቀትን ፖሊካዊ ምርግጋእ ካብአ እናርሐቀ ይኸይድ ከም ዘሎን ሚስና አተሐሒዙ ገሊጹ ።

ናይ ቦኩንጉ ኢከላ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ፍሪዶሊን አምቦንጎ በሱንጉ ነቲ ኩነታት ክገልጹ በመደር ራድዮ ቫቲካን መደብ ጣልያን ተሐቲቶም ክምልሱ እንከለዉ ከም ዘመልከትዎ ፡ እዚ ተርእዮ”ዚ አብዚ ክሊ”ዚ ሐዲሽ አይኮነን በላውረንት ኑኩንዳ ብዝምራሕ ዓምጺ ጉጅለ ዝተጀመረ እዩ ።

ብድሕሪኡ ክአ ብቦስኮ ታንጋንዳ ብዝተባህሉ ሰብ ዝምራሕ ካልእ ዓምጺ ጉጅለ ስዒቡ ክልቲኦም መራሕቲ ዓመጽ በቲ አብ አያ ዝርከብ ሀገራት ሐቆፍ ቤት ፍርዲ ገበን ዝድለዩ ዘለዉ ጭው ዝበሉ አብ ዱር ዝነብሩ ንህዝቢ ሰላም ዝኸልኡ ዘለዉ ከም ዝኾኑ ናይ ቦኩንጉ ኢከላ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ፍሪዶሊን አምቦንጎ በሱንጉ ንመደበር ራድዮ ቫቲካን መደብ ጣልያን ገልጾምሉ ።

ክልቲኦም መራሕቲ ዓመጽ ተታሒዞም በቲ ዝፈጽምዎ ገበን አብ ቅድሚ ሀገራት ሐቆፍ ቤት ፍርዲ ገበን እንተዝቀርቡን ዝግብኦም መቅጻዕቲ እንተዝወሀቦምን ኔሩ ህዝቢ ሰላም ምረኸበ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ክአ ብጽዕነቶም አተሐሒዞም አገንዚቦም።እቲ ቦስኮ ንታንጋዳ ዝብሀል መራሒ ጉጅለ ዓመጽቲ አብዚ ግዜ”ዚ አብ ምብራቃዊ ረፓብሊክ ኮንጎ ዓሪዱ ጸረ መንግስቲ ክዋጋእ ከም ዝውሰነን አብ ልዕሊ ህዝቢ ስቃይን ስደተን የውርድ ከም ዘሎን አመልኪቶም።አብ ረፓብሊክ ኮንጎ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኲናት አብቂዑ ተባሂሉ ከም ዝተነግረ ክዝከር ከሎ አብቲ ብተፈጥሮአዊ ሀብቲ ሀብታም ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ምብራቃዊ ኮንጎ ጉጅለታት አብ ሽፍትነት ከም ዝዋፈሩን ንዓሰርተ ዓመታት አብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ከም ዝፍጽሙን ይግለጽ።ብናይ ቦኩንጉ ኢከላ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ፍሪዶሊን በሱንጉ ትዕዝብቲ እቶም አብ ጫካ ዝሰፈሩ ጉጅለታት በቲ አብ ምብራቃዊ ኮንጎ ዘሎ ተፈጥሮአዊ ሀብቲ ካብ ወጻኢ ሀገራት አጽዋር ውግእ ከም ዝሽምቱን አብ ወጻኢ ሀገራት ምስኦም ዝተአሳሰሩ ዓበይቲ ዓመጽቲ ማፍያታት ከም ዘለዉን ዘጠራጥር አይኮነን ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤተ ክርስትያን ኮንጎ ሐደ ንሰብአዊ መሰል ሰባት ዝሟጐት ኮሚስዮን መስሪታ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ዋሺንግቶን አብ ኒውዮርክ አብ ፓሪስ ፈረንሳ ምስ ዝምልከቶም አካላት ብምርኻብ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ዝፍታሐሉ ኩነታት ከም ዝዳህሰሰት በቲ ሕደ ወገን ክአ አብ ውሽጢ ሀገር መደበ ዕርቂ ብምውጽእ ህዝቢ ከይርሐሐቅን ክተሐበርን ዝሕግዝ መደብ ተሰላስል ከም ዘላ ሐበሬታ ሂቦም። አብ ምብራቃዊ ኮንጎ ረፓብሊክ ካብ አከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ካብ ሩዋንዳ ኡጋንዳ ብሩንዲ ዝመጹ ብዙሐት አህዛብ ምስቲ አብኡ ዝነብር ህዝቢ ተደባሊቆም ከም ዝነብሩ ከም ዘለዉ ይፈልጥ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.