2012-05-23 09:30:24

ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ማለት ኣብ ኣንጎላን፣ ዚምባብዌን ማዳጋስካርን ሕዝባዊ ምርጫ ክካይድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ናይቲ RealAudioMP3 ከባቢ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ኣንጎላን ሳው ቶመን ቦትስዋናን ደቡብ ኣፍሪቃን ስዋዚላንድን ሎሰቶን ሞዛምቢክን ናሚቢያን ዚምባብዌን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቁፍ ናይ ሃገራት ከባቢ ድቡብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት፣ እቶም ዝካየዱ ሕዝባዊ ምርጫታት ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ከይዲ ክህልዎ ሓደራ ቢሎም፣ ናይቲ ካባቢ ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ማኅበረሰብ ልምዓት ብቐረባ ክከታተሎን እቶም ዝካየዱ ምርጫታት ድላይ ሕዝቢ ውሑስ ዝገብር ኣፈጻጽማ መታን ክህልዎም ስሩዕነቱን ሕጋውነቱን ክከታተል ብዓንተውኡ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተገሊጺ።
ኣብ ቡዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ድህረ ናጽነት ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ከይዲ ኣብ ምስፋሕን ምርግጋጽን ስርዓት ዴሞክራሲ ብዝተፈላለየ መገዲ ክተዓናቐፍ ከምዝርኤን ንናይ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ድኽነት ንምውጋድን፣ ባህላውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ምክብባር ዝዓሰሎ ስምረት ንምርግጋጽን ፖለቲካዊ ዓመጽ ንምውጋድ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ኩነት ከምዘሎን፣ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነዚ ኩነት ንሰናይ ክጥቀምሉ ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ኩሉ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ንምንቕቓሕ ደሞክራስያዊ ባህሊ ክጽልይ ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.