2012-05-23 09:28:08

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ጉባኤ ካርዲናላት “ኣብ ቃልሲ ጸረ ክፍኣት ሕቡራት ምስ ጎይታ”


ንዝኽሪ መበል ሻብዓይ ዓመት ዕለት 19 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምኡ እውን ዕለት 16 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ዘብዓልዎ መበል 85 ዓመት ዕድሜኦምን ምኽንያ ትማሊ ኣብ ቫቲካን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣብ ዘቕረቡሎም RealAudioMP3 ናይ ምሳሕ ዕድመ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ካብ ኣፈ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ናይ ምስጋናን ሰላምታን ቃል ምስ ቀረበሎም፣ ኣስዒቦም ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ምስጋናን ምዕዳንን ቃሎም ቅድም ቀዳድም ነቲ ናይ ነዊሕ ጊዜ ደስታን ዝተዀልዐን ከምኡ እውን ጊዜን ጸላም ለይቲ እውን ነዘሕለፉሉ ዓመታት ዘንቦሮምንረ ነዘንብሮም ዘሎ ጎይታ ልዑል ምስጋና ይዅኖ ቢሎም፣ እቲ ኣብ ታሪኽ ሕይወቶም ዘሕለፍዎ እዋን ጸላም ለይቲ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ እቲ ጸላም ለይቲ ዘሎ ሰናይ ኣዚና ኸነስተማቕሮ ዘብቅዕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ስለ ኵሉ ነገር ጎይታ እነመስግነሉ ምኽንያት እዩ ኢሎም።
ብዝተፈላለየ ዓመጽን ሰናይን ምቑርን ተጎልቢቡ ነቲ ኣብ ኅብረሰብ ዘሎ ናይ ግብረ ገብ መሰረት ከብርስ ዝዕጠቕ መጻወዲያታቱ ዝዝርግሕ መንፈስ ክፍኣት ዓለም ክብሕትን ክመልኽን ከምዝደሊ ግሁድ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ኣንጻር እዚ ናይ ክፍኣት መንፈስ ክንዕጠቕ ይግብኣና ቢሎም፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቃልሲ ኢና እንርከብ፣ ኣብዚ ጉዕዞ ቃልሲ’ዚ ብጾት ክህልዉኻ ክንደይ ሰናይ እዩ፣ ንመላእ ብፁዓን ካርዲናላት ብጾተይን መጓዕዝቲ የዕሩኽተይን ቢሎም ሰምዮም፣ ምሳይ ኮይኖም ምስ ጎይታ ዝሓብሩ እያቶም እንክቡሉ ከምዝገለጽዎም ናይ ቅድስቲ መንብበ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ጎይታ፣ “ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፣ ከም ናይ ጎይታ ጉጅለ ማለት ኣባላት ናይታ ሰዓሪት ጉጅለ ኮይናን በዚ መንፈስ’ዚ ብሓባር ንቕድሚት ንጎዓዝ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.