2012-05-21 10:03:22

፮ ሰንበት ዘትንሣኤ 12 ግንቦት 2004 ዓ.ም.(5/20/12)


መዝሙር፡ ፋሲካ ዛቲ ዕለት . . . . . . ።
“ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥ አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና”።
ንባባትሮሜ 4፡14~ፍ፥ 1ዮሓ 4፡7~10፥ ግ.ሓ.10፡25~48፥ ዮሓ 21፡1~15።
ስብከት፡በልዑ ወጸገቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢያኅጥኦሙ እምዘፈቀዱ። “እቲ ዝተመነይዎ ሃቦም፥ በልዑን አዝዮም ጸገቡን፥ ካብቲ ዝተመነይዎ አይዓገቶምን” 78፡25
፩~ አብ ዘመነ ፋሲካ ክንለብሶ ዝግብኣና ሓጎስ ዕረፍት ቅሳነት ክነስተውዕል ናይ ሎሚ ሰንበት ይነግረና። ተዝካር ትንሣኤ መድኃኒና ስለ ዝኾነ ንተሓጎስ ይብለና አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር። ሰብ ክሕጎስ እንታይ የድልዮ? እንታይ እንተ ገበረ እዩ አብ ፍጹም ሓጎስ ክበጽሕ ዝኽእል? ዘሓጉስን ዘየሓጉስን ነገራት ከመይ ገርና እንተ ፈለናዮ ይሓይሽ?
ምሉእ ሓጎስ አብ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ፦ ሰባት ጊዝያዊ ነገራት ሓጎስ ዕግበት ክህቡና ይኽእሉ እዮም እንተ ኾነ ነባሪ ሓጎስ ክህቡና አይክእሉን እዮም። ክርስቶስ ባዕሉ ብዙሕ ፍረ ክተፍርዩ ምሳይ ኩኑ ይብለና ክነፍሪ ከሎና አብ ግራት አምላኽ አሎና ማለት እዩ፤ “አነ ጉንዲ ወይኒ እየ ንስኻትኩም ከአ ጨናፍሩ ኢኹም” ጉንዲ ኦም ክፈሪ ምስ ጉንዲ ክህሉ አለዎ፥ “ዘየፍሪ ኦም ምቝራጹ ጥራሕ እዩ” ንሕና ዘይነፍሪ ምስኮና ንሳቐ፥ ንጭነቕ። ሰብ እምብኣር አብ ፍጹም ሓጎስ ክኣቱ አብ ቤተ አምላኹ ክምለስ ከፍሪ አልኦ። አብ ቤት አቦና ጥራሕ እዩ እቲ ፍጹም ሓጎስ ክንረኽቦ እንኽእል።
ሰብ ክሕጎስ ኩሉ ከምድላዩ ክንኾነሉ ዓቕሙ ዘፍቅዶ አብ ጽቡቅ ነገር ክወፍር አልኦ። ኮፍ ኢልካ ካብ ሰማይ ሓጎስ ክነጥበካ ምጽባይ አብ ሕልሚ ምንባር እዩ። ንሓጎስ ክንወፍር አሎና፥ ክንጽዕር አሎና። አብ ዓወት ክንበጽሕ ከም ትምህርቲ ክርስቶስ መስቀል ጸርና እንኽእል እሞ ደኺመ ከይበልና እንጉዓዝ ክንከውን አሎና። ኣብ መስቀል ሓጎስ አሎ አብ መስቀል ትንሣኤ አሎ አብ መስቀል ተስፋ አሎ። ሕይወትና መስቀል ክጎድሎ እንከሎ ጣዕሚ ዓለም ወይ ሰይጣን ተዓዊቱልና ኣሎ ማለት እዩ። ንአምላኽ ከይረኽብና ዕረፍቲ የለን። “አባኻ ጥራሕ እያ ነፍሰይ ዕረፍቲ እትረክብ” ዝብል ጸሎት አብ ልብና ነባሪ ቦታ ክህልዎ ይግባእ። አብቲ ፍጹም ሓጎስ አምላኽ ክሳብ እንበጽሕ ክንጽዕር አሎና። ጸሎት እቲ ቀንዲ አብ ሓጎስ ዘብጽሕ እዩ።
አብ ጉዕዞ ሕይወት ነገራት ፈላሊና ክንርኢ ግቡእ እዩ። ከም ለባውያን ፍጡራት ቅኑዕን ዘይ ቅኑዕን አለሊና ክንፈልጥ ይግብኣና። ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ክነፍስ እንተ ኾና መኣዝና ዘንጊዕና አሎና ማለት እዩ። አበይ ገጸይ ጠሚተ አሎኹ ክንብል አሎና። ዓይንና ልብና ቀልብና አብ ኢየሱስ ገጹ ክጥምት እንከሎ እዩ ዝርኢ ስለዚ ንመገዲ ክርስቶስ ርኢና ክንርኢ ይግብኣና። አብ ገለ እዋን ዘንጊዕና ከሎና አብ መገዲ ጸጋም ዘእትዉና ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ስለዚ ነቒሕና ጸኒዕና ንኽፉእ ክነጽጎ ይግብኣና። አብ ሓቅን አብ ሰናይ ግብርን ደፋራት ክንከውን ከሎና ጥራሕ ኢና እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንብሃል እንክእል። ልቦና ዝበዝሖ ሕይወት እናመራሕና ክንጉዓዝ ሎሚ ድላይ መድኃኒና እዩ።

ምምስራት ሓዲስ መንበርን ሓዲስ ሲመተ ጵጵስናን፡
፪~ ሎሚ በዚ ብሩክ ሰንበት አብ ሃገርና አብ አሥመራ ዋና ከተማና አብ ርእሰ አድባራት ደብረ ኪዳነ ምሕረት ካህን ክርስቶስ ኣባ ፍቕረ ማርያም ሓጎስ ሓዲስ ጳጳስ ናይ ሓዳስ ሰበኻ ሰገነይቲ ኮይኖም ተሸሞም አለዉ። ብሓቂ ምሕረትን ሓልዮትን አምላኽ ከምዘይተፈልየና ዘርኢ ዓቢ ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። አምላኽ ምስ ደለዮ ጥራሕ እዩ ንህዝቡ ጓሶት ዝልእከሉ። መምህርና ክርስቶስ ከምቲ ንሓዋርያት ዝሓረየ ሎሚ ንሓዲስ ጳጳስ አብ ሓዲስ መንበር ሂቡና አሎ ንወሃቢ አምላኽ ክነመስግን ይግብኣና።
እግዚአብሔር ንዘፍቀሮም ምልክት ፍቕሩ ጸጋ ይዕድሎም። ጵጵስና ጻጋ እዩ ካልእ ክርስቶስ ኮንካ ንህዝበ እግኢአብሔር ምጕሳይ እዩ። አምላኽ እዩ ጓሳና ካህናት ጳጳሳት በቲ ካብ ክርስቶስ ዝተዋህቦም ጸጋን ሓላፍነትን ነታ ክርስቶስ ዝዋንኣ ቤተ ክርስትያን የገልግሉ ይመርሑ። ዓለማዊ ስልጣን አይኮነ እንታይ ድኣ ካህን ንድኻታት ወንጌል ዘበስር፥ ንሕዙናት ዘጸናንዕ፥ ብመንፈስን ብስጋን ዝሓመሙ ዝፍውስ፥ ንአምላኽ አብ መንጎ ህዝቡ ከምዘሎ ወኪል ኮይኑ ዘገልግል ልኡኽ ክርስቶስ እዩ።
ቤተ ክርስትያን ንሓደ ህዝቢ መንፈሳዊ አድላይነቱ ብዝሑ ታሪኹ ከምኡ ኣድላይነት ጉስነቱ ርእያ መንበር ትህቦ መንበር ሰገነይቲ ብኹሉ ርእያ ይኾኖም ኢላ ቤተ ክርስትያን ፈላሚ ጳጳስን መንበር ክውህቡ እንከለዉ ናይ ኩሎም አብ ኤሪትራ እንርከብ ካቶሊካውያን በረኸት እዩ። አብ ካልእ ኤጳርቃታት እንርከብ ብፍሉይ ነሕዋትና እንቋዕ አብዚ አብቅዓኩም ክንብል እንከሎና ተኻፈልቲ ሓጎስኩም ምዃና ንገልጽ። አብ ኩሉ ጉዕዞ ቤተ ክርስትያንኩም ኣብ ኩሉ ምሳኹም አሎና። ኩልና ከም ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ሰሚርና ክንጉዓዝ ከሎና አምላኽ ይሕጎስ። አብ ነነድሕድና ብፍሉይ ፍቕሪ እናተራኣኤና ሓልዮት ክነብዝሕ ክርስትያናዊ ግቡእ እዩ።
አብ ውሽጥን አብ ደገን እትርከቡ ደቂ ኤጳርቃ ሰገነይቲ ምስ መንበርኩም ቀጻሊ ርክብን ሓልዮትን ክህልወኩም እሞ መንበርኩም እግሪ ክተትክሉ ሕልናዊ ሓልፍነት ሎሚ ትለብሱ አሎኹም። ቤተ ክርስትያን ጓሳ እያ ሂባትና ዘላ እምበር እቲ ኩሉ ንመንበር ዘድሊ ካባኹም እዩ። ይዝከረኒ መንበር ከረን ምስ ተወሃብና ካብ ባዶ ኢና ተበጊስና ብርኪ መውጽኢ ዝተዋህበ ቍንጣሮ ሒዝና ኢና ተበጊስና። አምላኽ ይመስገን ብመጠኑ ኩሉ ተሰጊሩ ሰበኻ ከረን ሓንቲ ካብተን ተስፋ ዝህባ ኮይና ከምዘላ ርኣየለይ ዘድልዮ አይኮነን። መንበር ሰገነይቲ በቲ ንሕና ዝሓለፍናዮ ክሓልፍ አይንደልን አይንምነን ስለዚ ኩልና እግሩ ክንትክሎ ግቡእና እዩ፥ ብፍላይ አብ ወጻኢ ዘሎና ነዚ ሓላፍነት ክንለብሶ ይግባእ። እዚ ምስ እንገብር መንበርና ክዓቢ ክፈሪ ይኽእል።
ንሓዲስ መንበርን ጳጳስን ንሕና አብ ስያትልን ከባቢኣን ዘሎና እንቋዕ እግዚአብሔር ነዚ ጸጋ ንምዕዳል አብቅዓኩም እናበልና ሰናይ ትምኒትና ጸሎትናን ንገልጽ። ንብፁእ አቡነ ፍቕረማርያም አምላኽ ጸግኡን በረኸቱን የብዝሓልኩም ኩሉ ጊዜ አብ ጸሎትና ከም እንዝክረኩም እናኣረጋገጽና ንቅድስና ንኣገልግሎትን ይግበርኩም ንብል። ብጵጵስናኹም አምላኽ ንሃገርና በረኸት ሰላም ጠሊ የብዝሓልና። እንቛዕ ነዚ ብርሃን አርአየና ኣምላኽ ይመስገን። ንኹልኹም ምእመናን ኤጳርቃ ሰገነይቲ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ንብል ብክርስትስ ኣሕወትኩም አብ ስያትልን ከባቢኣን እንርከብ።

፫ ብዓል ነጻነት፡
ሃገርና ሓራ ካብ እትኸውን ነጻነትና ካብ እንጭብጥ ድሮ 21 ዓመት ጽባሕ ሓሙስ ክነብዕል ኢና። መጀመርያ እንቋዕ ነዚ ክቡር ዕለት ንምብዓል አብቅዓና። ኹልና ብክብሪ ከም ህዝቢ አብ ቅድሚ ዓለም ተቖጺርና ዝተረኤናላ ዕለት ስለ ዝኾነት ንኣና ኤሪትራውያን ፍልይቲ ዕለት እያ። ነዛ ዕለት ክንዝክር ከሎና ከም ክርስትያን ንኣምልኽ ክነመስግን እሞ ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንግምግም ይግብኣና። መለክዒ ነጻነትና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። ኩሉ ብኣምላኽ እዩ ዝውሃብ እሞ ንወሃቢ አምላኽ ክነመስግኖ ይግብኣና።
ብምቕጻል ህልው ኩነታት ገሚትና ክንክእል ግድነት እዩ እዚ ኸአ ንዝበለጸ ምዕብልናን ብልጽግናን ክንሓስብ ይሕግዘና። ከም ህዝቢ ከም ሃገር ከመሎና ኢልና ንዝሓሸ ሕውነትን ነጻነትን ክንወፍር ንዝደኸመ ክንሕግዝ ንዝተጋገየ ክንምሕር እሞ ሃገርና ናይ ኩሉ ኮይና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንጉዓዝ መብጽዓና ክነሐድስ ይግብኣና። አብዚ ዓለም ኩሉ ከም ድላይና ክኸደልና አይክእልን እዩ፥ ስለዚ ፍቕሪ ናይ ኩሉ መለክዒ ሕይወትናን ርክባትናን ገርና ክንጉዓዝ ኩልና ክንስከፈሉ ዝግብኣና ነገር እዩ እዚ ናይ እቶም ኣብ ሓላፍነት ጥራሕ ዘለዉ ሓላፍነት አይኮነን ናይ ነፍስወከፍ ወዲ ሃገር እዩ ስለዚ ከመሎና ኢልና ሕልናና ሓቲትና ንኣምላኽ ተዓረቐና እናበልና ፍቕሪ ክንሰብኽ እሞ አብ ሰናይ ክመርሓና ክንልምን። ከም ክርስትያን ነጻነት ማለት ካብ ኃጥአት ካብ ክፍኣት ወጺእካ ምስ አምላኽ ክትራኸብ ምኽኣል እዩ። ዓድና በየናይ ነጻነት ትልለ ክንብል ግቡእ እዩ። ባህልና እምነትና ኩሉ አብ አምላኽ ዘብጽሕ ክኸውን እሞ ንኡስና ዓቢና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንምርሽ ነዚ ባህሊ ክንዕቅብን ክንሕሉ ይግብኣን።
ሃገር ናይ ኩሎም ደቂ ሃገር ተገዳስነት የድልያ። ሃገርን አደን ከፊኡካ ጥዒሙካ እትቕይሮ አይኮነን አምላኽ ዝሃበና እዩ ስለዚ ኩሉና ሕልና ገርና ልቦና አዕቢና ነቲ ንኹልና ዝጠቅም ቀዳምነት ሂብና ክንክእል ንሓቂ መለክዒ ምሕደራና ገርና መሰል ሰባት ከይግሃስ ኩሉ ጊዜ ክንስከፍ አሎና። ዘይተደለ መንፈስ አብ መንጎና አትዩ አብ ባርነት ከይንምለስ ናይ እዞም ሎሚ ዘሎና ህዝቢ ሓላፍነት እዩ። ኩልና ሓለውቲ ሃገር ኮና ክንጉዓዝ ሕድሪ አሎና። ኩሎም ብመስዋዕቲ እዛ ሃገር ዝሓለፉ ነዚ እዮም ዝላበዉና። አነ ምእንቲ ፍትሒ ምእንቲ መሰል ምእንታኹም ሓሊፈ አሎኹ ስለዚ ነዛ አምላኽ ዝሃበና ሃገር ሓልዉዋ አብ መንጎ በዳልን ተበዳልን ከይርከብ ሓደራ ኢሎምና ሓሊፎም ሕድሮም አይንዘንግዕ።
አምላኽ ሃገርና ብጸግኡ ይባርኸልና ኪዳነ ምሕረት አደና ሎሚ እውን ከም ቀዳም ረዳኢትና ኮይና ካብ ወዳ ምሕረት ተውርደልና ንመራሕቲ ሃገር መንፈስ አምላኽ ዘንግሱ ንሓቂ ንርትዒ ዘንግሱ ገሩ መንፈስ ቅዱስ ይምርሓዮም።
አብ ርሑቕን ቀረባን ዘሎኹም ደቂ ሃገረ አብ ዘዘለኽምዎ አምላኽ ምሳኹም ይኹን ብሩኽ መዓልቲ ነጻነት። ብሞት ምእንቲ መሰልን ሓርነትን ዝሓለፉ መሓሪ አምላኽ አብ ሕቕፉ ይቀበለልና፥ ሰላሙ ወትሩ ይሃበና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.