2012-05-19 15:33:31

ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓድሽ ምዕራፍ


ኣብ ዘሓለፈ ቀረባ እዋን ናይቲ ውሽጣዊ መምርሕታቱን መዋቕራቱን ዝሓደሰ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕብራት ዝሓቑፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋ ናይዚ ማኅበር ኮሚቴ ፈጻሚ ኣካል ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ከምዝተጀመረን ሓቢሮም፣ እቲ ኮሚቴ ኣብ ሮማ ዘካየዶ ኣኼባኡ ጽዑቕን ነዊሕን እውን እንተነበረ ናይቲ ማኅበር ውሽጣዊ ጥምረት መሰረቱ ዝመስከረን ኣብ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዘሎ ውህደትን ብሓባር ምትጋህን ምግልጋልን ዝብል ዕላማ ዘረጋገጸ እዩ ኔሩ ኢሎም።
ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ትእምርቲ ተስፋ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ እቲ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ማኅበር ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ብተግባር ዝምስክርን፣ ኣብ ማኅበራዊ ሕይወት ጭቡጥ ምዃኑን ዝምስክር እዩ። እዚ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር’ዚ እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ተባሂሉ ዝተወሰነ ናይ ዓመታት ገደብ ውሽጢ ሸቶኡ ክወቅዕ ዝከኣል ምዃኑ ኣሚኑ ዘገልግልን ነዚ ኣሚቱ ብሓድሽ መንፈስ ተነቓቒሑ ከገልግል እውን ተበጊሱ ኣሎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.