2012-05-17 15:20:30

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (ዕለት 16 ግንቦት 2012 ዓ.ም.)
“ጸሎት፦ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣባና”


ዕለት 16 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ናይ ስራሕ መምርሕን ከይድን ንስድራ ቤት ብብቕዓት ዝድግፍን ንናይ ሕይወት ባህሊ ክፉት ክኸውን ዘተባብዕ መታን ኮይኑ ክቐውም፣ ምእንቲ ደገፍ ስድራ ቤት ሓልዮን ጻውዒት ዘቕረብሉን ካብቲ RealAudioMP3 ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ረቡዕ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣስዒቦም ኣብ መልእኽትታት ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣማእኪሎም ብዛዕባ ጸሎት ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም።
ቅዱስነቶም ዕለት 15 ግንቦት ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ቤት ከምዝኾነን እታ መዓልቲ ድማ ሚዛንነት ስራሕን ስድራ ቤትን ብዝብል ቅዉም ነገር ዝተመርሐ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ቤት ዝዓለለላ ምዃና ዘኪሮም፣ ስራሕ ንስድራ ቤት ደጋፍን ዘወሃሃድን ናብ ሕይወት ርህው ዝገብርን ናብ ርካባት ኅብረተሰብን ቤተ ክርስትያንን ዘእትው እምበር፣ መሰናኽል ክኸው የብሉን ቢሎም ዕለተ ሰንበት መዓልቲ ጎይታን ሰሙናዊ ዕለተ ፋሲካን ከምኡ እውን ናይ ዕረፍትን ስድራ ቤትኣዊ ምትእስሳር ዝጸንዓሉ ዕለት ኮይኑ ክንበር ሓደራ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ናብቲ ናይ ዕለቱ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣተኵይሮም፣ ኣብ መልኽትታት ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተደገፈ ብዛዕባ ጸሎት እንከስተምህሩ፣ ‘ህያብ’ ኣብ ዝብል ቃል ኣማእኪሎም ንኣሕዛብ ሓዋርያ ‘ህያብ’ ዝብል ቃል “ፍረ ህያውን ጭቡጥን ህላዌ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ህያውነት ኣብን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣባና እዩ” ዝብል ትርጉም ዘለዎ ምዃኑን ስለዚህ “ተግባር መንፈስ ኣብን ወልድን እዩ”። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ኣተኵይሮም ድማ “ብጸሎት ገዛእ ርእስና ርህው ንገብርን ግዜና ንእግዚኣብሔር ፍቓደይናን ምቹእን ክኸውን ነቕርብ። ብፍላይ ናይ ህላዌን ሕይወት ክርስትናን ኣድማስ ተመክሮ እንነብረሉ ስለ ዝኾነò ድኻምነትናን ድኽነትናን ፍጡርነትናን ኮታ ኩለንተናና ሒዝና ኣብ ቅድሚ ከሃሌ ኵሉነትን ደረት ሰገርነትን እግዚኣብሄር እንቐርበሉ እዩ። ኣብ ንእግዚኣብሔር ምስማዕን ጽን ምባልን ኣብ ምዝታይ ምስ እግዚኣብሔርን ኣዚና ምስ እንዓቢ ጸሎት ናይ ነፍስና ዕለታዊ እስትንፋስ ይኸውን። ኣብ ዕለታዊ ጭቡጥ ኩነት ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለና ርክብ እውን ትርጉም ውስንነትና እዚና ነስተዕሎን ኣቃልቦ ንህበሉን”፣ ኢሎም “ስለዚህ ንኣኡ ምእማንን ገዛእ ርእስና ንኣኡ ሕድሪ ምሃብ ኣድላይነቱ ኣባና ይዓቢ”። “መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዘይብቕዓትናን ወይ ድማ ዘይምኽኣልናን ደጊፉ ናብ እግዚኣብሔር እንፍጽሞ ገዛእ ርእስና ምቕራብ እናመርሔ፣ ኣእምሮና የብርህን ልባትና የማሙቕን። ጸሎት ንቕዱስ ጳውሎስ ኣብ ሰብኣውነትና ነቲ ድኻምነትና ተቐቢልና ካብ ምስ ጭቡጥ ነገር (ዓለማዊ) ዝተኣሳሰሩ ሰባት ናብ መንፈሳውያን ሰባት ዝልውጥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ”።
“ብጸሎት እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተዓደለና እውነተይናን ትኽክለይናን ካብ ክፍኣትን ሓጢኣትን ናብ ሰናይን ሕይወትን ናይ እግዚኣብሔር ዝገብረና ነጻነት ነስተማቕር፣ ናይዚ ካብ ቅዱስ መንፈስ ዝተዓደለና ነጻነት ተመክሮ ንገብር። ቅዱስ ጳውሎስ ኣስዒቡ ፍረ ነጻነት ቅዱስ መንፈስ ዘይቐጥዓውነትን ክፍኣት ናይ ምሕራይ ዘሎ ተኽእሎን ማለት ዘይኮነስ፣ ፍቕሪ ሓጐስ ሰላም ትዕግስቲ ልግሲ ሕያውነት እሙን ምዃን ለውሃት ርእስኻ ምግታእ ምዃኑ ይገልጸልና። እዚ እዩ ድማ ሓቀይና ነጻነት። ናይ ሰናይን ሓጐስን ምስ እግዚኣብሔር ሱታፌን ድልየት ዝምባለ ምስዓብን በቲ ብግዚኣውነት ተመሊኽካ ናብ ካልእ ኣንፈት ከይተብል ዘብቕዕ እዩ”።
“ብሓቂ ብእግዚኣብሔር ዘይተሰምዔ ሰብኣዊ ኣውያት የልቦን፣ እዚ ድማ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይና ኣብ ቀጻልን ተኣማንን ጸሎት ናይዚ ህልው ግዜ ስቅያት ነቲ ንዓና ንዝግለጸልና ናይ መጻኢ ክብሪ ኣየተዓናቕፍን እዩ”።
እግዚኣብሔር ንናይ ወዱ ኣውያትን ንብዓትን መልሲ፣ ቅልጡፍ ናጽነት ካብ ስቓይን መስቀልን ሞትን ዘይኮነስ፣ ዓሚዩቕን ዓቢይ ዝሰምዕን መልሲ እዩ። ብመስቀልን ሞትን ኣቢሉ እዚኣብሔር ብናይ ወዱ ትንሳኤ፣ ብሓድሽ ሕይወት ኣቢሉ መልሲ ሂቡ። ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሔ ጸሎት ንኣና እውን ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ምስ ፈተናታቱን ስቓያቱን ብምሉእ ተስፋን እማኔን ኣብቲ ንወዱ ኣብ ዝመለሸ እግዚኣብሔር ገይርና ክንነብሮ የብቕዓና”።
“ብጸሎት ኣቢልና ናብቲ ንድኹም ጸሎትና ሓይሊ ዝኸውን ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልባትናን ክውንነትናን ንኽንስዕብ ነዘብቕዓና ህላዌን ተግባርን መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ከነርህውን” ቅዱስ ኣቦና ተላብዮም፣ ንቶም ካብ ኢጣልያን ወጻእን ሃገራት ዝተዋጽኡ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን በቶም ዓለም ለኻዊ ዝበሃሉ ቋንቋታት ድግማ ናይቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስሚዖም፣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.