2012-05-15 14:01:34

ኡጋንዳ


ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ ናይ ጎይታ ሰራዊት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ሓይሊ ዓማጽያን ቀንደይና መራሕቲ ካብ ዝበሃሉ ላዕለዎት ሳልሳይ መራሒ ካኤሳር ኣቸላም ድሕሪ ነዊሕ RealAudioMP3 ክትትልን ድልያን ብሓይሊ ምክልኻል ካምፓላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ካብ መንግስቲ ኡጋንዳ ዝተውሃበ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣቸላም ምስ በዓልቲ ቤቶምን ጓሎምን ሓጋዚኦምን ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ውሕጅ ሞቦ እንከለዉ ብናይ ካምፓላ ሓይሊ ምክልኻል ከምእተትሓዙ ናይ ኡጋንዳ ሓይሊ ምክልኻም ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ መሠረት ዝሓበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ እቲ ዝተዓትረ ዓወት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ነቶም ናይቲ ዓማጽያን ሓይሊ መራሕቲ ብፍላይ ድማ ዋና ሓላፊ ኮንይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ንዝግበር ጻዕሪ ዝመርሕ ምዃኑ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ካምፓሊ ሓይሊ ምክልኻል መግለጺ መሠረት ኣመልኪቱ።
ኣቸላም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ካምፓላ ሓይሊ ምክልኻል ምስ ኣተዉ፣ ድሕሪ ነዊሕ ናይ 24 ዓመታት ምስ ናይ ጎይታ ሰራዊት ዓማጽያን ሓይሊ ኣብ ፈቐዶ በረኻን ዱርን ከርተት ካብ ምባል ናጻ ወጽኤ ከምዝበሉ ክምልከት እንከሎ፣ ናይ ጎይታ ሰራዊት ዓማጽያን ሓይሊ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰሜናዊ ከባቢ ኡጋንዳ ምልቓቕ ቀንዲ ዕርድታቱ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃን ደቡብ ሱዳንን ኮንጐን ዝገበረ ምዃኑ ናይ ካምፓላ ሓይሊ ምክልኻል መግለጺ መሰረት ዘመልከተ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣቸላም ብናይ ገበነይና መቕጽዒ ዓለም ሓቆፍ ዓለም ቤት ፍርዲ ዝድለዩ ተባሂሎም ስሞም ኣብ መዝገብ ካብ ዝሰፈረ ሓደ ከምዘይኮኑ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.