2012-05-15 13:51:40

አብ ዓዲ ጣልያን ክፍለ ሀገር ቶስኮና አብ ከተማ አረጾን ሳን ሰፖልክሮን


ቅ.አ.ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ዕለት 13 ግንቦት 2012 ዓምፈ አብ ማእከላይ ዓዲ ጣልያን ዝርከብ ክፍለ ሀገር ቶስኮና አብ ከተማ አረጾ ሳን ሰፖልክሮን ሐዋርያዊ ምብጻሕ አካዪዶም፣ ከምቲ መደብ ከተማ ላ ቨርና እውን ክብጽሑ እኳ ተታሒዙ እንተነበረ ብዘጋጣመ ህቦብላ ንፋስን ብርቱዕ ማይን ክግበር አይተኻእለን፣
ቅዱስነቶም ሰንበት ንግሆ ሰዓት ሾሞንተ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ብሆሊኮፕተር ተበጊሶም አብ ከተማ አረጾ አብ ዝበጽሑሉ ጊዜ ናይቲ ከባቢ ሰበኸታት ካርዲናላት ጳጳሳት መላእ ውሉደ ክህነትን ካብ ሰለስተ ሺሕ ንላዕሊ ም እመናን ናይ ሃገረ ጣልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ሞንቲ ዝርከበዎም ላዕለዎት ሰበሥልጣን መንግሥትን ድሙቅ ተቅባል ገሮምሎም፣
ቅዱስነቶም ብሄሊኮፕተር አብቲ ከተማ አብ ዝ አተውሉ ናይቲ ዓዲ አብያተ ክርስትያን ደወላት ኃቢሩ እንክድወል እቲ ተአኪቡ ዝተቀበሎም ሕዝቢ ኸአ ብጣቅ ዒትን ብመዝሙርን ናይ እንቋዕ ደሐን መጻእኩም ሓጐሶም ገሊጹሎም፣
ናይ አረጾ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሪካርዶ ፎንታና ናይ እንቋዕ ደሐን መጻእኩም መደረ አቅሪቦም ከማኡ እውን ናይቲ ከተማ ከንቲባ ብስም ኩሎም ዝተሰም ዖም ሐጎስ ዝገልጽን ንህልዊ ናብራ ከተማኦን ዝገልጽ መደረ አስሚዖም፣
ቅዱስነቶም ብወገኖም ንዝተገብረሎም ውዕውዕ አቀባብላን ብክልቲኦም ሰብ መዚ ዝተገብረሎም ናይ ሠናይ ቃላት መደረን አመስጊኖም፣ አብቲ መደረ ዝተጠቅሰ ጸገማት ናይቲ ዞባ ንመላእ ሃገረ ጣልያን ዝምልከት ስለዝኾነ ነዚ መተሓሳሰቢ ሂቦም፣ ሃገረ ጣልያን መንፈሳውን ሞራላውን ተሓድሶ ክትገብር በዚ መንገዲ እዚ ከአ ጕዕዞ አ እንደገና ክትጅምር አለዋ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከምቲ ወትሩ እትገብሮ ንጽጉማት ካብ ምሕጋዝ ዓዲ ከምዘይትው ዕል አረጋጊጾም፣ ማኅበራዊ ሕይወት ዝመሓየሸሉ ግን ወዲ ሰብ ብመንፈስን ሞራልን ተሓዲሱ ካብ ስስዕት ክርሕቅ እንከሎን ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ እዚ ግን ብመሠረቱ በቶም ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ክኾኑ ዝተጸው ዑ ክርስትያን አብ ኩሉ ጽፍሒ መነባብሮ ክካየድ ከምዘለዎን ም እመናን ከአ ግዲኦም ከበርክቱ ከምዘልዎም ከምዚ ክብሉ አተሓሳሲቦም፣ “ሎሚ ከም ሎሚ እቲ ቤተ ክርስትያን ንዓለም አብ ውሽጢ ከተማ ወዲ ሰብ ንርእሰይ ይጥ ዓመኒ ንዝብል መንፈስን ንወገንነትን አሸኒፎም ብወለንታኦም ከገልግሉ ፍቃደኛታት ብዝኾኑን ብሩህ ኅልና በዘልዎም ዓለማውያን ምእመናን አቢላ ንክተገልግሎ እዋኑ እዩ፣ ኃባራዊ ጥቅሚ ዝረጋገጽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ተቀቢሉ ብሕልፊ ከአ ክርስትያን ንልደት ሓዲስ ናይ ሓፋሽ ሕዝቢ ሞራላዊ ሕይወት ግደኡ ከበርክት እንከሎ ኢዩ፣” ነዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ፖሎቲካውን ማኅበረ ሰባውን ግድላት ንምሽናፍ ኩሎም ክርስትያን ብፍቅሪ ወንጌል ተዀስኲሶም ድልውነቶምን ፍቅሮምን ብተግባር ከር እዩ ሓላፍነት አለዎም፣ እዚ ሓላፍነት እዚ አብ ገዛእ ር እሶም ጥራይ ተሓጺሮም ከይተረፉ ንካል ኦትውን ከገልግሉ ከምዘልዎም ይግድዶም፣ ድሕሪ ቢሎም ናብ መን እስያት ብምትኳር ከአ፣ “ንመን እሰያት ልቢ ከዕብዩ እላቦ፣ ዝኾነ ነገር ንክትገብሩ ትብ ዓት ይሃሉኹም፣ ንመላእ ኅብረተሰብ ብናይ ቅንዕና መቀረትን ብብጻያዊ ተወፋይነትን ሓዲስ ጣዕሚ ክትህብዎ ስንድዋት ኩኑ፣ ንኃባራዊ ረብሓ ሕዝቢ ንምስራሕ ጽኑዕ መሠረት ክህልወኩም አለዎ፣ ንዝመጽእ ብተስፋ ንምርአይን ንምጽባይን ዝሓለፈ ታርኽካ እናዘከርካ አሰር ክርስቶስ ምስ ዓብ የድሊ” እንክብሉ አበራቲ ዖምዎም፣
ብድሕርዚ ቅዱስነቶም አብቲ አብ አረጾ ዝርከብ ፕራቶ ዘ አረጾ ዝጽዋዕ ዓቢ ሜዳ በሽሓት ዝቁጸሩ ምአመናን አብ ዝተረኽቡሉ ብብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተሰንዮም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኧዕሪጎም፣ አብ ጊዜ ቅዳሴ አብ ዝገበርዎ ስብከት ንተሳተፍቲ ካብ ፕረሲደንት ሞንቲ ጀሚሮም ንኩሎም በብመዓርጎም ድሕሪ ምምስጋን ናይ ዕልቱ ቃል እግዚአብሔር ብምጥቃስ አብ ግብረ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ገዛ ቀርነሌዎስ ንመጀመርያ ጊዜ ንአረማውያን እንከጠምቅን አረማውያን መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም ከምቶም ንብሕቶም ጥራይ ዝግምቱ ዕብራውያን ክልወጡ ዝትርኽ ቤተ ክርስትያን ናይ መላእ ዓለም ዘመደ አዳም ከምዝተላእከት ዘረድ እ ምዃኑ አብሪሆም ነፍሲ ወከፍና ነዚ ፍቅሪ እዚ ክንእውጅ ክንምስክር ጽውዓት ምዃና ገለጹ፣ ድሕሪ ፍጻሜ ቅዳሴ እውን አብቲ ቅር ዓት ተአኪቡ ንዝነበረ ሕዝቢ ብምስትምሃርን ምሳኦም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ብምብጻሕን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ምስ አሰናበትዎም ምስ ጳጳሳት አረጾ ኃቢሮም ተመሲሖም፣
ድሕሪ ምሳሕ ቀጥታ ናብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቅንዋተ እግዚ እነ ዝተቀበለሉ ቦታ ሳንሰንፖልክሮ ከይዶም፣ ቆሞስ ሳንስፖልክሮ አባ አልበርቶ ጋሎሪኒ ከማኡ እውን ናይዛ ን እሽቶ ከተማ ከንቲባ ምስ ብዙሓት ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ሕዝቢ ተቀቢሎሞም በብወገኖም ተመሳጊኖም፣ አማስያኡ ናብ ሐዋርያዊ መንበሮም ተመሊሶም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.