2012-05-15 14:00:07

ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣገልግሎት


ኣብ ከባቢኻ ዝንበር ሂወትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሂወት እውን ብዓይነት ናብ ዝበለጸ ምምሕያሽ ክዓቢ መታን ምእንቲ ንገዛእ ርእስኻን ንስድራ ቤትካን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክቡርነት RealAudioMP3 ተመሃር ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከለ ኣብ ቡሩንዲ ምእንቲ ሓልዮ ደቂንስትዮ ጎስጓስን ህርኩት ጻዕርን ዘተብባዕ ኣብዚ መዳይ ሕንጸት ዝወሃበሉ ማእከል ትምህርቲ ከምዝተመስረተ እንክሕበር፣ ደቂንስትዮ ብባህልን ብናይ ስራሕ ተመክሮን ማዕርነተን ከረጋግጻን ስንድዋት ኮይነን ናይ ገዛእ ርእሰንን ስድራ ቤተንን ናይ ዝነብራሉ ኅብረተሰብ ብድሆታን ክስገር ቀንደይና ተዋሰእቲ ምዃነን ከስተውዕላን ክዋስኣን ዝብል ኣብ ቡሩንዲ ሰበኻ ሩታና ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ምትሕብባር ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘነቓቕሖ መደብ ምዃኑ ኣብ ኣፍሪቓ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣገልግሎት ጨንፈር ሓላፊ ዳኒሎ ጃነሰ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።
ኣብ ቡሩንዲ ብሕርሻን ምርባሕ እንስሳ ዘቤት ኤኮኖሚ ኣብ ዝመሓደር ከባቢ ዝቕመጣን ኣብዚ መዳይ ዝዓያን ዓበይትን መንእሰያት ደቂንስትዮ ብቑዕ መሠረታዊ ሙያኣውን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ክረኽባ መታን፣ ቅድም ካብ መሃይምነት ክላቐቓ ሕንጸት መሰረተ ትምህርቲ ዝቐስማሉ ምዃኑ ገሊጾም፣ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ መሰልን ክብርን ኣፍልጦ ክህልወን ዝሕነጻሉ እዩ ኢሎም።
ማሕበር ኢየሱሳውያን ጉዳይ ስድተይናታትን ተመዛበልንት ሓልዮ ቤት ጽሕፈተ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢ ኣፍሪቃ ደቂንስትዮ ኣብ ዝነብራሉ ሕብረተሰብ ብዙሕን መሠረታዊ ዝኾነ ኣገልግሎት ዝህባ ክነሰን ካብ ማኅበራዊ ተነጽሎ ዘጋጥመንን ትሕቲ ደቂተባዕትዮ እየን ካብ ዝብልን ጉጉይ ኣመለኻኽታን ነዚ ጉጉይ ኣመለኻኽታ ተቐቢልካ ካብ ምንባርን ጸቕጢ ተላቒቐን ኣብ ማዕርነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣፍልጦ ረኺበን መንባብሮአን ከመሓይሻን በዚ ድማ መነባብሮ ስድራ ቤተንን ዝነብራሉ ማሕበረሰብን ብሉጽ ክኸውን ኣብ ዝፍጸም ዕዮ ቀንደይና ተዋሰእቲ ምዃነን ተኣሚነን ክዋፈራን ዝህብኦ ኣገልግሎት ካብ ናይ ደቂተባዕትዮ ዝተሓተ ከምዘይኮነን ርድኢት ክህልወን ንምድጋፍ ዝኣመተ ኣገልግሎት እዩ ምስ በሉ፣ ከም መሳቱኤን ደቂተባዕትዮ ናብ ቤትምህርቲ ክወፍራ ዕድል ዘይረኽባን ብስድራቤተን ዝኽልከላ ደቂንስትዮ ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብዚ ዓይነት ማሕበራዊ ጸቕጢ ክላቐቓ ዘተባብዕን ብሓፈሻኡ ሕብረተሰብ ናይ ደቂንስትዮ ኣገልግሎት ንማሕበራውን ሰብኣውን ዕብየት ኣገዳሲ ምዃኑ ክርዳእ ዝድግፍ መደብ እውን ምዃኑ ገሊጾም ሕንጸት ደቂንስትዮ ንምዕባለ ሕብረተሰብ መሠረት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.