2012-05-15 13:58:20

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ተስፋ ንመንእሰይ ወለዶ ክዅላዕ


ዝሓለፈ ዕለት 13 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቶስካና ክፍለ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኣረዞ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝፈጸሙ እንክዝከር፣ ብዛዕባ እታ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣረዞ ኣመልኪቶም ናይ ቶስካና ክፍለ ሃገር ርእሰ ከተማ ፊረንዘ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን RealAudioMP3 ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እቲ ዝተገበረሎም ኣቀባብልና ኣብ ህዝቢ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒትን ተገዳስነትን ቅዱስነቶም ፍቑር ምዃኖም ዝሕብር እዩ እንክብሉ ናይ ሕዝብን ናይታ ከተማ ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን ኣባላት ውሉደ ክህነትን መንፈሳውያን ማኅበራትን ስምዒት ተርጒይሞም፣ ህዝቢ ዘፍቕሮም ምዃኑን ስልጣናዊ ቃሎምን ምዕዳኖምን ኣስተምህሮኦምን ጽን ክብል ዘርኣዮ ዓሚዩቕ ድልየት ዘደንቕ ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብዚ ክፍለ ሃገር ኢጣሊያ ገና መንእሰይ ካህንን ደሓር እውን ብፁዕ ካርዲናል እነከለዉ ብዙሕ ጊዜ ዝበጽሕዎ ከባቢ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል በቶሪ ዘኪሮም፣ ሓደ ናይታ ከተማ ማኅበረሰብ ኣባል ከምዝኾኑ እዩ ዘነጽር፣ ኣብ መንጎ ህዝብን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ሓድነት ዝገለጸን ናይ ሕዝቢ ሕሊና ዘነቓቕሐ ሓዋርያዊ ዑደት እዩ ኢሎም።
ኣብ ኣረዞ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ዘረባ ናይ ቶስካና ክፍለ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ኢጣሊያ ህልዉ ኩነታት ዝተንተነን ታሪኽን ባህልን ስልጣነ ሰብኣውነት ዘዘኻኸረን ናይዚ ባህልን ታሪኽን ሰብኣውነት መበቆል እምነት ክርስትና ምዃኑ ገሊጾም፣ ንሰብኣውነት ዘርኢ ሰብ ትኵረት ክግበር ዘተሓሳሰበን፣ ናይቲ ፍጥረት ሰብ እውነተይና ፍጻሜ ዘረድኤ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ካብ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ዝቐርብ ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ክርስትያናዊ ምስክርነት ኣብ መንሰይ ወለዶ ተስፋ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ዘነጸረ ሓዋርያዊ ዕደት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.