2012-05-12 14:25:48

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ጉባኤ


ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝሓቁፍ ጳጳሳዊ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ኣብ ፖላንድ ርእሰ ከተማ ቫርሳቪያ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበራት RealAudioMP3 ኣመሓደርትን ዋና ጸሓፍትን “ሓልዮትን ፍልሰትን” ብዝብል ኣርእስተ ዝተመርሐ ዘካይድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ ትማሊ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጀመሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ናይ ባህልን ስነሰብእ ቅልውላው ብናይ ገንዘብን ንዋታውን ድጋፍ ምቕራብ ጥራሕ ዝፍታሕ ከምዘይኮነን ገንዘብን ንዋታዊ ድጋፍን ንሓደ ክፍሊ ናይቲ ቅልውላው ዝፈትሕ እምበር ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ልዑል ክብሩ ዳግም ከዕትር ምሉእ ኣኽእሎት የብሉን ከምብዝበሉ ነቲ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣባ ታዴውዝች ቸይስላክ ሓቢሮም።
እቲ ጉባኤ ዝተመርሓሉ ኣርእስቲ ኣዋናውነት ዘለዎ ከምዝኾነን፣ እዋናዊ ቅልውላው ብኵለ መዳዩ ተጸኒዑ ኵለ መዳያዊ መፍትሒ ክርከበሉ ከምዝግባእን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ስደተይናታት ክእንገዱን ነቲ ንስደት ዝደረኾም ጸገም ኣጽኒዕካ ብቑዕ ተተኻኻሊ መፍትሒ ምቕራብ እቶም ስደተይናታት ኣብ ዝተኣንገዱለን ሃገራት ተወሃሂዶም ክነብሩ መሠረታዊ ድጋፍ ከምዝኾኖም እውን ብፁዕ ካርዲናል ሳራሕ ኣረዲኦም፣ ካብ ስድራኻን ሃገርካን ተሰዲድካን ተፈሊኻን ምንባር ዘስዕቦ ስቓይ ናፍቖት ከይኣክል ኣብ ዝተኣንገድካሉ ሃገር ተቐባልነት ረኺብካ ናይ ምንባር ሕቶ እወታዊ መልሲ ዶ ይወሃበሉ ይኸን ዝብል ሻቕሎት ተወሲኽዎ ኣዚዩ ከቢድ ከምዝኸውን ገሊጾም፣ ምእንቲ’ዚ ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ነዞም ክፍሊ ሕብረትሰብ ቀረባ ብምዃን ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ኣቢሉ ዘቕርቦ መንፈሳውን ሰብኣውን ንዋታውን ኣገልግሎት ክርስቶሳውን ካብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝነቅለ እዩ ቢሎም እተን ብናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትን ጳጳሳዊ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ዝጥርነፋ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ብሓደ ልብን ኃላፍነትን ነቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ሽግር መምየን ናይቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ዜጋታት ስቓይ ናይ ገዛእ ርእሰ ገይረን ብተሳታፍነት ዝተስነየ ምሉእ ኣገልግሎት ዘቕርባ ብምዃነ ፍሉይ ዘብለን እውን ምዃኑ ከዘዘካኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣባ ቸይስላክ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.