2012-05-12 14:22:23

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ጽኑዕን ብርቱዕን ጸሎት ምእንቲ ተልእኾ ወንጌል”


ትማሊ ንጎሆ ኣብ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ተልእኮ ወንጌል ተግባር ማኅበር ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናይ ዝፍጽሞ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ሓለፍቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣቀባብላ ተገይርሎም መሪሕ ቃል ከምእተለገሰሎም ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ንናይ ኣህዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ማለት ናይ ኣስፍሆተ እምነት ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ዝተመርሑ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኮ ወንጌል ተግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘመሓድሩ ሓለፍቲ ተቐቢሎም ብዝለገሰዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ተልእኮ ወንጌል ጽኑዕን ብርቱዕን ጸሎት ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሮም፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ምእንቲ ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾ ሓድሽ ድርኺት ጎስጓስ ጸሎት ቅዱስ ሮዛሪየም ከነቓቕሕ ቅዱስ ኣቦና ኣተባቢዖም፣ ዘርኢ ሰብ ናይ ወንጌል ሓቅነት ክበጽሖ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ምዃኑ ከምዘረድኡ መግለጺ ቅዱስቲ መንበር የመልክት።
ሎሚ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ተግባር እግዚኣብሔር ዝተነብረ እማኔ ክሕድስን ጽኑዕ ጸሎት ኣዚዩ ዘድልዮ ከምዝኾነን ኣበኪሮም፣ እቲ ናይ ኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ንናይ እምነት ዓመት ደገፍ ኣሚቱ ድሮ ዘሳልጦ ዘሎን ዝሓንጸጾምን መደባት ተልእኾ ኣተባቢዖም፣ እዚ መደብ’ዝን ከምኡ እውን እቶም ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ዳግማይ ርኽበትን ብዑምቐት ርድኢት እምነትን መታን ንኽዕደሉ ብናይ ጎስጓስ ጸሎት ቅዱስ ሮዛሪየም ዝተሰየ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርኤ ዘሎ ጸገምን ዘሕዝን ተግባራት ስደትን መከራን፣ ቤተ ክርስትያን ተስፋ ከይቆረጸት ኣብቲ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበለቶ ተልእኾ እምንቲ ኮይና ብምጽናዕ እዚ ተልእኾ’ዚ ከምቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ታሪኽ ክርስትና ሰማዕትነት መሰኻኽር ማለት ኣብ ጉዕዞ ወንጌል ዝሕተትን ግድነታዊ እውን ምዃኑ ክንግዘብ ይግባእ ኢሎም፣ ኣስፍሆተ ወንጌል መላእ ዘርኢ ሰብ ንኽርስቶስ መታን ክፈልጥ ዝብል ቅንኣት እምነት ንቤተ ክርስትያን ይድርኻ ምስ በሉ፣ ወትሩ ጭቡጥን ዝረኣይን ውህደት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝረከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያንን ህዝብን ሱታፌ ክምስከርን ብፍላይ ድማ ካቶሊካውያን ኣቢያት ክርስትያን ቅዱስ መጋበርያ ሱታፌ ዘብለን ኵላዊ ጸዋዕታኤ ኣብ ናይ ሱታፌ ቅድስቲ መንበር እናነበራ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ናይ ልኡካነ ወንጌል ጸዋዕታ ተደሪኸን ኣብ መላእ ህዝብን ባህልትታን ናይ ወንጌል ሓቂ ኣብ ምዝራእ ክዓያ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.