2012-05-10 14:32:30

ዓውደ መጽናዕቲ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ፦ ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን


ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ስነ መጽናዕታት ዘቕርብዎ መልስታት ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነት ምርምርን እውን ዘሎ RealAudioMP3 ዘተን ዘይምንጽጻግን ማለት መሠረታዊ ጥምረት ንምትንታንን ንምዝታይን “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ኣብ ቦሎኛን ፓሪስን ቡካሬስትን ፊረንዘን ሮማን ቲራናን ከምኡ እውን ካብ ዕለት 29 መጋቢት ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም. “ባህሊ ሕጋውነትን ህብረሃይማኖታዊ ሕብረተሰን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓሌርሞ ዓውደ መጽናዕታት ከምዘካየደ እንክዝከር፣ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዘሳትፍ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘዳለወ ናይ ባህሊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ’ዚ መደብ ባርቸሎና ኣመልኪቶም ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ጽባቐን ስነ ጥበብን ኣብ መደብ ደንበ ኣህዛብ ኣገደስቲ መሠረታውያን ርእሰ ጉዳያት እያቶም፣ ሰነ ጥበብ ካብቲ ጸብጻብ ተርታ ፍጻሜታቱ ኣድማሳት ሓሊፉ ካብኡ ናብ ዝተፈለየ “ካልእ” ዘቕንዕን እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ዝኾነ ይዅን ስነ ጥበብ ኣሰር መንፈሳዊ ሕቶ ኣሎ። እዚ ድማ ሰገር ነገርኣውነት ሕቶ እዩ፣ ማለት ካብቲ ቀጥታዊ ወይ ድማ ህጹጽ ተርእዮ ንላዕሊ ምጥማት ማለት እዩ። ምእንቲ’ዚ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብታ ናይ ስነ ጥበብ ከተማ ተባሂላ እትልለይ ከተማ ፊረንዘ ተበጊሱ ናብታ ኣመና ብርቱዕ መንነታዊ ኵለ መዳያዊ መለለዪ ባህሊ ዝንጸባረቐላ ብዙሕ እዋን ብብዙሓት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና በቲ ኣብኣ ዝርከብ ብናይ ስነ ንድፊ ሊቅ ኣንቶኒዮ ጋውዲ ዝተሓንጸ ቅዱስ ስፍራ ቅድስቲ ስድራ ቤት ምኽንያት ሰንደቕ ቅድስቲ ስድራ ቤት ተባሂላ ናብ እትልለይ ከተማ ባርቸሎና ብምስግጋር ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዝዛተይሉ ዓውደ መጽናዕቲ ኣዳልዩ ኣሎ።
ስነ ጥበብ መግለጽን ሓበሬታን ናይ ምቕራብ ተራ ኣይኮነን ዘለዎ፣ ማለት ካብቲ መግለጽን ሓባርን ተራ ንላዕሊ ስምዒትን ተመስጦን ዘመሓላልፍ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ባርቸሎና ዓወደ መጽናዕቲ ስነ ጥበብ ኣብቲ ዘመሓላልፎ ስምዒትን ተመስጦን ኣተኵይሩ በዚ መሠረት’ዚ ድማ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ጥበብን ዘተ ዝካየደሉ እዩ። ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍን መንፈሳውነትን ሊጡርግያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን መንፈሳውነትን ሊጡርጊያን ዝንጸባረቕ ጽባቔ ዝቃልሓሉ ከምዝኸውን ሓቢሮም፣ ጽባቔ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን መንፈሳውነትን ሊጡርግያን ስነ ጥበብን ዝትንትን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.