Home Archivio
2012-05-10 14:34:15
ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ዓይነ ስውራን፦ ‘…መምህር ክርኢ…’(ማር. 10፣51)
ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ዓይነ ስውራንን ብድዅም ብቕዓት ምርኣይ የዕይንቲ ሕማም ንዝተጠቕዑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ተጸሚዳ ከምእትርከብ ክፍለጥ እንከሎ፣ ነዞም ብዑረት ዓይኒ ንዝተጠቕዑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ኣገልግሎት፣ ነቶም ከቢድ
ናይ ዓይኒ ሕማም ዘለዎም እቲ ዘጓነፎም ደረጃ ትሑት ናይ ምርዓይ ዓቅሚ ጸገም ናብ ዑረት ከየብጽሖም እንከሎ ገና ብዓንተውኡ ናይ ዓይኒ ሕክምና ኣገልግሎት ምቕራብ ብዝብል መደብ ዝተሰነየ ኮይኑ ማኅበራውን ኤኮኖምያውን መዳይ ዘነቓቕሕ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክረጋገጽ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቫቲካን ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ደገፍ ማኅበር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ዓይኒ ሕክምና ሊቃውንትን ኣብ ኣገልግሎት ዓይነ ስውራን ዝዋስኡ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ኣባላት ዘሳተፈ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት 2012 ዓ.ም. “ብሓደጋ ዑረት ዓይኒ ዝተጠቕዑ ዜጋታት፦ ‘…መምህር ክርኢ…’(ማር. 10፣51) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ዓይነ ስውራንን ብትሑት ብቕዓት ናይ ዓይኒ ምርኣይ ሓደጋ ዝተጠቕዑ ናብ ሓደጋ ዑረት ዓይኒ ከይሰጋገሩ ኣብ ዝፍጸም ኣገልግሎት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብደረጃ ሰበኻታትን መፍንሳውያን ማኅበራት ካህናትን ደናግልን ከምኡ እውን ምስ ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ብምትሕብባር ዓቢይ ኣገልግሎት ከምእተበርክት ክረጋገጽ እንከሎ፣ ኣብተን ናይ ስነ ሕክምና ዓይኒ ሊቃውንትን ናይ ዓይኒ ሓኻይም ዋሕዲ ዘለወን ሃገራት ተላኢኾም ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ኣባላት ቤተ ክርስትያንን ናይ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ኣባላት ኣገልግሎት ወሳኒ ምዃኑ ይንገር።
ኣብቲ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ 45 ሃገራት ዝተዋጽኡ ንመላእ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለማት ዝውክሉ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ልኡኻት ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.