2012-05-08 14:37:26

ተራ ስድራ ቤት ግምት ዘይምሃብ መሠረት ጌጋ ስነ ዕማመ እዩ


ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ ምትእስሳር ዝጸንዓሉ መርሐ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብዛዕባ ስድራ ቤት ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብምትንታን፣ ሕብረተሰብ ነዚ ዘጽንዖ መርሐ ዝጻረር ምርጫታት RealAudioMP3 ከረጋግጽ እንከሎ፣ እቲ ደው ዘብሎ ዓንዲ ሕይወት እዩ ዘዕንው፣ ስለዚህ ብተዘዋዋሪ መገዲ ገዛእ ርእሱ እዩ ዘምክን። ንኣብነት ሕብረተሰብ ዕለተ ሰንበት ከም ተራ መዓልቲ ስራሕ ገይሩ ብምቕራብ፣ ስድራ ቤት ንተነቃፍነት ከቃልዕ እንከሎ፣ ዓንዲ ሕብረተሰብ እዩ ዘፍርስ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ሕግታት ስነ ምግባር ምትእትታው ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ እንክምልከት፣ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ነዚ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ተሞርኵይዞም ዝገለጽዎ ትርጉም ስድራ ቤት ከምዘቃልሕዎ ተገሊጹ።
ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ረጂና ኣፖስቶሎሩም ተቛም ናይ ስነ ማኅበራዊ ኤኮኖሚ መምህርን ኣብ ከተማ ባሪ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ትካል ኤኮኖሚ መምህር ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ቶማሶ ኮዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ልክዕ’ዩ ኣብ ኵሉ ብፍላይ ድማ ኣብ ኤኮኖሚ መዳይ ዝርአይ ተራ ስድራ ቤት ግምት ዘይምሃብ ከይዲ፣ መሠረታዊ ጌጋ ስነ ዕማመን ትጽቢታትን እዩ ቢሎም፣ ስድራ ቤት ናይ ዝተመዓራረዩ ምዕባለታትን ስሚዒታዊ ርግኣት ማለት ብቕዓት ምውህሃድን ርክባትን ዝምልከት መዳይ ባህርያዊ ከባቢኡ ግምት እንተድኣ ዘይውሃበሉ ኮይኑ፣ ስድራ ቤታት ኣብ መንጎኦም ብዘይውሁድ ውልቃውነት ተበታቲኖም እዩም ዝግለጹ፣ እዚ ድማ ስድራ ቤትኣዊነት ባህርይኡ ኢዩ ዘጥፍእ። ስድራ ቤት ዝድግፍ ፖለቲካ ንገዛእ ስድራ ቤት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንመላእ ብሔር ማኅበረሰብ ዝግደስ እዩ። ስድራ ቤት እንተድኣ ዕቤት ዘይረኣየሉን ፍጻሜታቱ እውን እንተድኣ ተዓጊቱ፣ ናይ ኤኮኖሚ መባእታዊ ኣገባብን ኣቃውማን እዩ ዝዕገት ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ እቲ ኣብ ኢጣሊያ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ተግባርን ጸረ ስድራ ቤት እውን ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝምልከት ፖለቲካ ክበሃል እንከሎ፣ እቲ ጸረ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ንናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ፖለቲካ ብኸመይ ክገልጾ ይኽእል። ስለዚህ ኢፖለቲካውነት ኣመለኻኽታ ንመላእ ማኅበራዊ ኣካል እዩ ዘዕንው። ናይ ጸረ ፖለቲካ ፖለቲካዊ ጉዳይ ጸረ ማሕበራዊ ኣገባብ እዩ ዝኸውን ዝበልዎ ሓሳብ፣ ፕሮፈሰር ኮዞ ጠቒሶም፣ ልክዕ ኣብ ናይ ኤኮንምን ቁጠባን መዳይ ትኵር ልልያ ኣገዳሲ እዩ። ኤኮኖምን ቁጠባን ካብ ዝቕባቤ ድዩ ካብ ቅልውላው ንምድሓን ናይ መሳለጢ ግቡእ ሚዛን ወጻኢታት ምጉዳል ጊዚያዊ እምበር ብቑዕ መፍትሒ ኣይኮነን፣ ቅርጺ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ምሕዳስ እዩ ዘድሊ፣ ምጉዳል ሚዛን ወጻኢ ገንዘብ ዕብየት ኤኮኖሚ የምጽእ ማለት ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ምጉዳል ተለልዩ ተጸኒዑን ምብኻን ዘውግድ ክኸውን እዩ ዘለዎ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.