2012-05-08 14:38:55

ሓድሽ ርኽበት ናይ ስነ ጥንቲ መጽናዕቲ ኣብ ጥንታዊት ፍሪጃ (ቱርኪ)


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝሓለፈ ዕለት 3 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፊሊጶስ ሓዋርያ ከምዘብዓለት እንክዝከር፣ ብዛዕባ እዚ ካብቶም RealAudioMP3 12 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ጎይታና ኢየኡስ ክርስቶስ ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ፊሊጶስ ኣብ ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ውሱን ሓቤረታ ዝርከብ ኮይኑ፣ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ግን ሓዋርያ ፊሊጶስ ኣብ ምስራቕ ብፍላይ ድማ ኣብታ ጥንታዊት ፍሪጃ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ሎሚ ቱርኪ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝፈጸመን፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ እትርከብ ጥንታዊት ደቡባዊ ከባቢ ፍሪጃ (እዋናዊት ቱርኪ) ዘላ ከተማ ሄራፖሊስ፣ ቅዱስ ፊሊጶስ ሓዋርያ ኣብ 80 ዓ.ም. ድሕሪ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ደም ሰማዕትነት ክሳብ ዝተቐበለሉ ዓመት ኣብ ዝተቐመጠላን መወዳታ ናይ ሕይወቱ ዓመታት ዘሕለፈላን ካብ 1500 ዓ.ም. ኣትሒዙ ቅዱሳት ትሩፋትን ቅዱስ ዓጽሚ ኣብ ሮማ ዝርከብ ምዃኑ ዝንገረሉ ቅዱስ ሰማዕት ሓዋርያ ፊሊጶስ ዘማእከለ ናይ ነዊሕን ጥንታውን ዓመታት ስነ ጥንታዊ መጽናዕትታትን ምርምርን ዝተፈላለዩ ውጽኢታት ከምዘዕተረ እንክንገር፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ኣብ ናይ ነዊሕ ስነ ፍልጠታዊ ድልያ ማእከል ኮይኑ ዝጸንሔ ምልላያ መቓብር ቅዱስ ሓዋርያ ፊሊጶስ ኣሚቱ ዝተገብረ ጻዕሪ ብቕጻሊ ኣብታ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ሓልዮ ማኅበር ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ቢሉ ኣብ ዝሰመያ ከተማ ሄይራጶሊስ ናይ ዝካየድ ስነ ጥንታዊ መጽናዕትን ተልእኾ ስነ ፍልጠትን ዝምርሑ ናይ ስነ ጥንቲ ሊቅ ፕሮፈሰር ፊሊፖ ዳንድሪያ ሓድሽ ርኽበት ከምእተረጋገጸ ኣመኪቶም።
ፕሮፈሰር ፊሊፖ ዳንድሪያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ መሕትት፣ ሰማዕት ቅዱስ ሓዋርያ ፊሊጶስ ዝተቐበረሉ ቅዱስ ሥፍራ ንምልላይ ዝተበገሰ ናይ ስነ ጥንቲ መጽናዕትን ምርምርን ነዊሕ ዓመታት ዘቝጸረ ከምዝኾነን፣ ትውፊት ሓዋርያ ፊሊጶስ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ማለት ድሕሪ ቁሩብ ዓመት ናይ ደም ሰምዕትነት ምቕባሉ ዝገልጾ ርግጸይና ታሪኽ ሓቅነት ዘለዎ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ተመስኪሩ እዩ። ብትኽክል ኣብ 190 ዓመተ ድሕነት እቲ ብትውፊት ዝተገልጸ ታሪኻዊ ሓበሬታ ዝረጋግጽ ብዛዕባ ሰማዕትነት ቅዱስ ሓዋርያ ፊሊጶስ ዳግም ተረጋጊጹ እዩ
እዚ ድማ እታ ናይ ፊሊጶስ ሓዋርያ ኣብ ሄይራጶሊስ ዝተመልከተ ድልያ መቓብር ስፍራ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ ጥንቲ ተመራመርቲ ዝተመርሔ መጽናዕትታት ካብ 1957 ዓ.ም. ንነጀው ክካየዱ ጸኒሖም እዮም፣ እዚ ግን እታ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበለላ ሥፍራ ዝምልከት እዩ። ብትኽክል እታ ዝተቐብረላ ስፍራ ንምልላይ ዝተኻየዱ ናይ ስነ ጥንት መጽናዕቲ ምርምር ኣድካሚ እውን እንተነበረ፣ ኣብታ ሰማዕትነት ዝተቐበለላ ስፍራ ዝተሓንጸት ቤተ ርክስትያን ትሕቲ ምድሪ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ዙሪያ ሓደ ናይ መቓብር ስፍራ ዝተሓንጸት ብኣእማን ዝተቐብረት ካልአይቲ ቤተ ክርስትያን፣ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ስነ መጽናዕቲ ኣትርክሮኡ ኣንቢሩላ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቀጺሉ ብዘካየዶ ናይ ሰ ጥንቲ መጽናዕትን ምርምርን ብትኽክል ቅዱስ ፊሊጶስ ተቐቢሩሉ ዝነበረ ዝፍራ ምንባሩ ከለልይ ከምዝኸኣል ሓቢሮም፣ እዚ መጽናዕቲ’ዚ ካብ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዙ ክካይድ ዝጸንሔ ምዃኑ እውን ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.