2012-05-05 15:01:24

“ንዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን”


ሮማ ኣብ ዝርከብ ባህላዊ ተቛም ሰይንት ልዊስ ደ ፍራንስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈረንሳ ልኡከ መንግሥትን ኣብ ሮማ ግዳመ ግዝኣታዊ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥብብ ብምትሕብባር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ንዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ RealAudioMP3 ቫቲካን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተምፈርሔ ታሪኻውን ቲዮሎጊያውን መዳያቱ ዝድህስስ ዕለት 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ዝጀመሮ ሽዱሽተ ርክባት ዘጠቓለለ ዓውደ መጽናዕቲ ብምቕጻል፣ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ መደብ ሓምሻይ ርክብ ኣብ ላተራነንሰ ጳጳሳዊ መንበረ ጥባብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ውሳኔ “Dignitatis Humanae-ሰብኣዊ ክብሪ” ኣብ ዝብል ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ውሳኔ መግለጺ ብዛዕባ ናጽነት ሃይማኖት ኣማእኪሉ ከምዘካየደ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዳቪደ ማጆረ ኣመልኪቶም።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ፈረንሳ ናይ ከተማ ዲዦን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮላንድ ሚነራዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ዝኾነ ይዅን ፍጥረት ሰብ መሰል ናጽነት ሃይማኖቱ ክኽበረሉ ግድን እዩ። ናይ እምነት ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ነጻነት እምነትን ሃይማኖትን ክኽበር ኣለዎ፣ እዚ ክበሃል እንከሎ ድማ እቲ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዝተዓደሎ ትርጉምን ምኽንያትም ምፍጣሩን መን ፈጠሮን ንዝብሉ ሕቶ ንምምላስ ዝድርኾን ነቲ ሓቀይና እግዚኣብሔር ንምድላይ ዘለዎ ባህርያዊ ዝምባለ እናጠሓስካ ካልእ ዓይነት ኣነባብራን መምዘንታት ኣነባብሮን በስገዳድ ተኸተል ምባል ጌጋን ጸረ ሰብን ሰብኣውነትን እዩ። እምነት ኩሉ ወሰናስናት ሰገር ምዃኑ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ተስተምህር፣ በዚ መልክዕ ድማ ብባህልን ቋንቋን ዓሌትን ዜግነትን ዝተፈላለየ ህብረ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ እምነት ክሓብር ከምዝእኽል ትገልጽ። ስለዚህ እምነት ናይ ኣጋጣሚ ፈላላይ መግለጽታት ደረት ሰገር ምዃኑ ተረድእ ኮይኑ ግን እዚ ምስ ተዛማዲ ባህሊ ዘራኽብ ኣመለኻኽታን ግዚያዊ ተርእዮን ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ሃይማኖት ፍሉይን ንዝኾነ ይኹን ሕይወት ማሕበረሰብ ዝምልከት ግልጸት ሓቆፍ እዩ። ምእንቲ’ዚ ሃይማኖት ምስ ተዛማዲ ባህሊ ዝስራዕ ኣይኮነን።
ከም ውሳኔ ናጽነት ሃይማኖት ውልቃዊ ተግባር ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዝብሎ ግን ናጽነት ሃይማኖት ነቲ ኣብ ሓቀይና እግዚኣብሔር ዘሎ ሓቂ ምድላይ ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዝምኰዝ እዩ። ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ሓቀይና እግዚኣብሔርን ዝተሓሓዝ እዩ። እዚ ድማ ናብቲ ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ እግዚኣብሔር ልብኻን ኣእምሮኻን ምቕናዕ ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ስለዚህ ናጽነት ጸጋ እዩ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.