2012-05-05 12:31:48

፬ ሰንበት ዘትንሣኤ 2004 ዓ.ም (6 ግንቦት 2012)


መዝሙር: ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . . . ።
ንባባት፡ ቆላ 3፡1~ፍ፥ 1ዮሓ 3፡1~2፥ ግ.ሓ. 4፡8~12፥ ዮሓ. 10፡11~18
ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ እይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ” መዝ. 3፡5~6።
መዝሙር፡ “ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ካብ ኩሉ ሞቝሕ ማእሰርቶም ከአ ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ በሎ ነቲ ዕዉር ከአ ብቃሉ ፈወሶ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሳልሳይ መዓልቲ ገበሮ፥ ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቝሓት ፈትሖም”።
አብዚ እዋን ዘመነ ትንሣኤ ኩሉ አማናይ ብመንፈስን ሥጋን ተንሢኡ ካብቲ አረጊት ጠባዩ ተሓዲሱ ክርከብ ድላይ አምላኽ እዩ። “ክርስቶስ ምስ ተንሥኤ ሰይጣን ተሳዒሩ ንሰብ ነጻነት አልቢስዎ”፥ ካብዚ እዋን ንድሓር ዘሎ ሰላም ከም ዝኸውን ገለጸልና። ተሓድሶ የድሊ አሎ፥ ብመንፈስ ቅዱስ መሊእና ብርሃን ትንሣኤ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ትሑዛት ኢና። አብ ድቃስ ከይንህሉ ዛሕሊ መንፈስ አጥቂዑና ጌና ጩራ ትንሣኤ ተኸዊሉና ከይህሉ ክንርኢ እምነትና ከም ሓዋርያት ክንሕድሶ ንልመን አሎና።
ዝሓለፈ ሰንበት “ሰንበት ዘኖላዊ” አብ ምሉእ ዓለም እንርከብ ካቶሊካውያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ 16 ኮና ምእንቲ ጸዋዕታን ምእንቲ መነፈሳውያን ጓሶትን ክንጽሊ ክነስተንትን ተዓዲምና ኢና። ንሕና ሎሚ አብዚ ቤተ ክርስትያና ብፍሉይ ንዝክሮ አሎና። ምእንቲ ጓሶትና ምእንቲ ተመሃሮ ዘርአ ክህነታትን ዘርአ ምንኩስና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ፍሉይ ጸሎትን ህያብን ክነብጽሕ ትሑዛት ኢና። “ነቲ ዋና አብ ግራቱ ዝአኽሉ ሰራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ ተባሂልና ኢና” ንእግዚአብሔር ቅዱሳትን ውፉያትን ልኡኻት ክሰደልና ክንልምኖ እዋኑ እዩ።
ጓሳ ዘይብለን ጥሪት አይበዝሓን እየን ኩሉ ጊዜ ዋኒን የጕድለለን ከምኡ ዝአልየን ስለ ዝጎድለን ሕማም ጥመት ጽምኢ ኩሉ የጥቅዔን ዋንኤን ዘልኤን ግን ካብዚ ኹሉ ይድሕና። አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ጓሶት ዓቢ ተራ አልኦም ስለዚ ንጓሳዪ አምላኽ ልኡኻቱ ክሰድድ ክንልምኖ ናይ ነፍስወከፍና ግድነት እዩ።
አብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተነበልና ምንጪ ርድኢትና ብዛዕባ ጓሳን መጓሰን ይሕብረና። ኢየሱስ ንሱ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ከምዝኾነ ነጊሩና። ነዚ ንጹር ርድኢት መታን ክህልወና ሕዝቅኤል 34 ክነንብብ ጽቡቕ እዩ። አብዚ ምዕራፍ ሕዝቅኤል ነቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ይወቕሶም ምኽንያቱ አብ ኩሉ ከም ግቡእ ስለ ዘይገበሩ ነቲ ዝነበሮም ስልጣን ንኻልእ ነተን አባግዑ ብቕኑዕ ንዝሕልዉ ክህቦም ምዃኑ ይገልጽ። አብ መዝሙር 23 እንተ ረኤና እግዚአብሔር ጓሳ ህዝቡ ምዃኑ አብ ርድኢት እስራኤላውያን ንርኢ፥ ንሱ እሙንን ሓቀኛ ጓሳ ምዃኑ ንህዝቡ ከም ዝመርሕ፥ ካብ ኩሉ ሕማቕ ነገር ከምዝሕሉ፥ ካልእ ሓላዊ ከም ዘይደልዩን ካብ ዝኾነ ካልእ ክፈርሑ ከም ዘይብሎም ብንጹር ዝነግር ንረክብ።
ጓሳ ጥዑይ ክሳብ ዘይኮነ መጓሰ ክበዝሓ ክስስና አይኽእላን እየን። ፍቕሪን ሓልዮት ጓሳ አብ ሕይወት መጓሰ ዓቢ ተራ አልኦ። ኢየሱስ አነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ክብል እንከሎ መጀመርያ አነ ዝብል ቃል ክጥቀም እንከሎ ንአምላኽ ጥራሕ ዘመልክት ንሱ አምላኽ ምዃኑ ክገልጸልና ኢሉ ይጥቀመሉ፥ እዚ ክብል እንከሎ እምብአር አምላኽነቱ እዩ ዝገልጸልና። አነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ክብል እንከሎ ምስቶም ሕማቓት ጓሶት ከምዘይ ሕሰብ ይገልጽ።
ድምጺ ኢየሱስ ሰሚዕካ ምኽአል
አብ መንጎ ጓሳን መጓሰን ፍሉይ ርክብ ፍቕሪ አሎ እዚ ግን ማዕረ እዮም ማለት አይኮነን። እቲ ጓሳ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ምእንቲ መጓሰኡ ኢሉ ሕይወቱ በጃ ይህብ። እተን አባግዕ ድምጹ ይሰምዓ የለልያኦ እሞ ደድሕሪኡ ይኸዳ።
ሰብ ጸዋዕትኡ ከለሊ ንድምጺ አምላኽ ክሰምዕ ጽን ክብል አልኦ ብፍላይ አብ ክህነታዊ ወይ ገዳማዊ ሕይወት ክመርጽ ምስ ደለ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ጓሳን መጓሰን ርክቦም ክገልጽ እንከሎ እተን አባግዕ ይስዕባኒ እየን ምኽንያቱ ድምጸይ ስለ ዘለልያ ይብለና። ንዕሱብ አይስዕባኦን እየን እኳ ድአ ካብኡ ይሃድማ ምኽንያቱ ድምጹ ስለ ዘየለልያ። አብዚ እንርእዮ እተን መጓሰ ምስ ጓስኤን ይለማመዳ እየን ኩሉ ናቱ ይፈልጣኦ ሽዑ ምስኡ ክኾና እንከለዋ ይተኣማመና። ንአኡ ይስዕባኦ ምኽንያቱ መን ምዃኑ ስለ ዝፈልጣ እዚ ከም ዋሕስ ይኾነን።
ካብ ኩሉ እንሰምዖ ድምጽታት እቲ ምሳና ልሙድ ጌርና ክንፈልጦ ዘሎና እቲ ድምጺ ናይ ሕያዋይ ጓስ ክኸውን አለዎ፥ ምኽንያቱ እቲ መጀመርያ ድምጺ ወይ ቃል ናይ ፍቕሪ ቃል ንሕና ከም ንህሉ ወይ ንፍጠር ዝገበረ ቃሉ እዩ። አብ ጥምቀት ከም ብሓዲሽ ከም እንውለድ ዝገበረ ብቃሉ ኢና አብኡ ሕይወት ዝህብ መንፈሱ ሂቡና። ኩሉ ጊዜ አብ ሕይወትና ብቐጻሊ ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ አብ ውሽጥና ይዛረበና። ካብ ኃጢእት ነጺሕና አብ እንርከበሉ እዋን ልብና ማሕደሩ ይገብሮ።
ክፉእ ዕድል ኮይኑ ነቲ ቃል ሕያዋይ ጓሳ ከይንሰምዕ እሞ በቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ከይንምራሕ፥ ዕንቅፋት ዝኾኑና ብዙሓት መኸላእታት አለዉ። ሓደ ካብቲ ጸገም ሕይወትና ብዝተፈላለዩ ዘደናግሩ ቃላት ወይ ድምጽታት ይመልእ። እዚ ብዙሕ ድምጽታት እዝንና ልብና ብአኡ ስለ ዝመልእ ንቃል አምላኽ ክንሰምዕ ቦታ አይርከብን። አብ ገለ እዋን እቲ ንድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ከይንሰምዕ ዝኽልክሉና ገለ አብ ግብሪ አብ ሕይወትና ክንርእዮም ንኽእል። ንአብነት ናይ ተለቭዥን ወልፊ፥ ናይ ሙዚቃ ወይ ጓይላ ወልፊ፥ ናይ እንተርነት ወልፊ፥ ናይ ዕላል ወልፊ፥ እቲ ምኽንያታ ብዙሕ እዩ፥ አብ አእምሮና አትዩ ንአምላኽ ጊዜን ቦታን ንኸልኦ። ነቲ ዝዓግተና ነገራት አሊና ንድምጺ ሕያዋይ ጓሳን ክንሰምዕ እንተ ኾና ዕለት ዕለት ንሓጺር ጊዜ ሱቕታ ክንምሃር እሞ ሽዑ አምላኽ ዝብለና ክንሰምዕ ክንለማመድ።
አብ ርእሲ እዚ ዝበልናዮ መኸላእታታት ካብ ምስማዕ ድምጺ ናይ እቲ ሕያዋይ ጓሳ እሞ ካልእ መገዲ ከምንመርጽ ዝገብሩና ነገራት አለዉ። ከምቲ እተን አባግዕ ናይ ጓና ድምጹ ዘይሰምዓ እኳ ድአ ካብኡ ዝሃድማ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር አሎና፥ ካብ ኩሉ እቲ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ዝተፈላለየ ድምጽታት መኸላእታታት ክንሃድም ክንጽዕር አሎና።
አብ ውሽጥና አቲና ክንሓስብ ከሎና ሓደ ካብቲ ንቃል ሕያዋይ ጓሳ ከይንሰምዕ ዝዓግደና ቀንድን ጎዳእን ጸላኢና፥ እቲ ካብ ውሽጥና ዝነቅል ናይ ርእስና ድምጺ እዩ። “አነ ንአይ ዝኸውን እፈልጥ እየ ስለዚ ዝደለኽዎ ክገብር መሰለይ እዩ” ዝብል ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ አብ አንነት ዝተመስረቱ ሓሳባት ካብ ምስማዕ ድምጺ ሕያዋይ ጓሳ ይዓግቱና። ብሓቂ ክንርእዮ እንተኾና ክንደይ ጊዜ ኢና ነቲ ቅኑዕ ነገር ንምስማዕ ዝወሰናሉ እሞ ነቲ ሓቀኛ ድምጺ ሕያዋይ ጓሳ። ብዙሕ ጊዜ ከይንሰምዕ ኢና እንመርጽ። ብዙሕ ጊዜ ንአና ዝጠቅም፥ አብ ፍሉይ ሓጎስ ዘብጽሓና አይንመርጽን ኢና። ናይ ርእሰይ ሓሳብን ድለትን ጥራሕ ክሰምዕ እውስን ንሱ ጥራሕ ቅኑዕ ኮይኑ ይስምዓኒ ሽዑ ትዕቢት አንነት ንርእስኻ ካብ ካልእ ፈሊኻ አብ ጸልማት ፈሊኻ ምንባር ይጅመር። እዚ ድምጺ ናይ ሓደ ሽፍታ ወይ ዘማቲ እዩ ሽዑ ነቲ ርእስና ብምኽሓድ ዝርከብ ሰላም ከምዘይ ንረክብ ይገብረና።
ካልእ ጸላኢና ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ከይንሰምዕ ዝኸልኣና ህዝባዊ ድምጺ እዩ ማለት ናይ ካልኦት ድምጺ ናይ ካልኦት ሓሳብ ጥራሕ ንሰምዕ ወይ ንኽተል። እዚ ገለእዋን ብምፍታው ወይ ብምፍራሕ ክኸውን ይኽእል። አብዚ ነቲ ሓቀኛ ሰላም አብ ክንዲ አብቲ ሕያዋይ ጓሳ እንደልዮ አብ ካልኦት ክንረኽቦ ንጽዕር። ዘይጓሳን ክጓስየና ንመርጽ። ካልኦት እንታይ ክብሉኒ እዮም ብምባል ንኻልኦት ፈሪሕና ንሓቂ ንደፍና፥ ብኻልኦት ከይንጽላእ ኢልና እናረኤና ንሓቂ ንቐብራ። እዚ መጨረሽትኡ ጓሂ ስቓይ ጣዕሳ እዩ፥ እዚ ኹሉ ካብ ርእስኻ ዘይምእማን እዩ ዝመጸና። ድምጺ ናይ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ጥራሕ ክንሰምዕ ከሎና እዩ እቲ ሓቀኛ መንነትና ክንረክብ እንኽእል።
አብ መጨራሽታ እቲ ዝኸፍኤን ዓቢ ጸላኢናን ዝኾነ ንሰይጣን ክንሰምዕ ከሎና እዩ። ንሱ አቦ ሓሶት ስለ ዝኾነ ንአና ከውድቕ ዘይ ምህዞ ሓሶት የለን ግዝያዊ ሓጎስ ዝህበና ነገራት እናፈጠረ ካብ ምስማዕ ድምጺ ሕያዋይ ጓሳ ዝዓግተኛ ሕሱም ጸላኢና እዩ። ንሱ አብ ጊዜ ፈተና ዓርክና እዩ ዝመስል። ”ቀጽል ክሳብ ክንድዚ ክፉእ አይኮነን፥ እንተኾነ ኸአ ክትናዘዞ ትኽእል. . “ እናበለ ይፍትነና። ሓንሳብ ድምጹ ምስ ሰምዕና ካብ ሓጋዚና ናብ ፈራዲና ይቕየር። “ርኤ ዝገበርካዮ፤ አንታ ዋጋ ዘይብሉ ዘይእሙን ፍጡር አምላኽ ከፍቅረካ ክምሕረካ ብቑዕ አይኮንካን ንአምላኽ ትዕግስቱን ፍቕሩን ከም ዝጸንቀቕኻ አይርድአካን እንድዩ. . . “ እዝን ካልእን እናበለ አብ ተስፋ ምቑራጽን ነቲ ዝሓዝናዮ ክፍአት፤ ኃጢአት፤ አብኡ ጸኒዕና ከም እንቕጽል ይገብረና። ካብቲ ሓቀኛ ጓሳን አጸቢቕና ከም እንርሕቕ ይገብረና። ሓንሳብ አፍደገ ምስ ከፈትናሉ ክወጽእ ሓያል እዩ።
ከመይ እንተገበርና ኢና ነዝን ካልእ ሓሳዊ ድምጽታት ካብ ምስማዕ ደው እንብል ወይ እነቋርጽ? እቲ ሓቀኛ ሓጺርን መልሲ አብቲ ህዱእን ዋሕስን ቅሳነትን ዝህብ ድምጺ ሕያዋይ ጓሳ ንምስማዕ ልምምድ ክንገብር ከሎና ጥራሕ እዩ። ንሱ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዝዛረበና፥ ድምጹ ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብ ክንሰምዖ ንኽእል። ብቤተ ክርስትያኑ ንዝውሃበና ቃሉ ብምስማዕ ክንሰምዖ ንኽእል። ብምስጢራት ቤተ ክርስትያን ዝውሃበና ሱታፌ አብ ሕይወት ብፍላይ አብ ቅዱስ ቍርባንን ምስጢረ ንስሓን ክንሳተፍ ከሎና፥ ብጽሙና ንብሕትና ክንጽሊ ከሎና ንኹሉ ዕንቅፋታት ካባና አርሒቕና እሞ ድምጹ ንምስማዕ ልብና ከፊትና ክንጽልን ክንሰምዖ ፍቓደኛታት ኮና ክንልምን ከሎና ድምጹ ክንሰምዕ ንኽእል። መጠን ዘቕለብናሉን ልብና ዝኸፈትናሉን መጠኑ ናቱ ልምምድ ክንወስድ ንኽእል። ናቱ ድምጺ ክንሰምዕ ምስተለማመድና ናይ እቶም ጉሓሉን አደናገርትን ደፊርና ክንሰጎም ኢና፥ ወላእውን ደጋጊሞም ከጋግዩና እንተ ፈተኑ ክንዕወተሎም ኢና። ናይ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ድምጺ ጥራሕ እዩ አብ ሓቀኛ መገዲ ክመርሓናን ክሕግዘናን ዝኽእል እሞ አብ ሕይወትን ፍጹም ሓጎስን ክብጽሓና ዝኽእል።
ንኢየሱስ ምፍላጥን ርኢኻ ምኽአልን
እቲ ጓሳ ነባግዑ ይፈልጠን ንሳተን ከአ ይፈልጣኦ። ርክብና አብ ምፍላጥና እዩ ማለት ብምሉእ ልብናን አብ ኩሉ ስራሕና እዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ክነንብብ ንኽእል ኢና ግን ከምቲ አብ ፍቕሪ ምንባር ክኸውን አይክእልን እዩ። ሓደ ሰብ አብ ኤሪትራ እንከሎ ብዛዕባ ውርጪ (snow) ከንብብ ይኽእል እዩ ከምኡ ስእሊ ክርኢ ይኽእል እዩ፥ እዚ ግን ከምሓደ ባዕሉ ብኢዱ ዝድህስሶን ዝሕዞን ክኸውን አይክእልን እዩ። ብዛዕባ ክርስቶስ ምፍላጥን ምስኡ ርክብ ምግባርን ክልተ ዝተፈላለየ ነገራት እዩ። ሓደ አብ እእምሮና እዩ እቲ ሓደ ግን አብ ልብና እዩ።
እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኹለን ካብ ደምበ ወጻኢ ዘለዋ መጓሰ ይጽውዔን። አብ ጊዜ ኢየሱስ እቶም አብ ደገ ዝነበሩ አረማውያን እዮም። አብዚ እዋና እቶም አብ ደገ አብ ወጻኢ ዘለዉ ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ዘይፈልጡ እዮም። እሞ ንሕና ነቶም ንክርስቶስ ክጽውዑ ዝደልዩ ክነወግኖም ዲና ወይስ ክነቕርቦም።
ቅዱስ ዮውሓንስ አብ ዝተነበት መልእኽቱ “ ሕጂ ውሉድ አምላኽ ኢና” (1ዮሓ 3፡2)። ብጥምቀት ደቂ አምላኽ ኢና፡ ብጥምቀት ከምብሓዲስ አብ መልክዕ ዝተንስኤ ክርስቶስ ንምለስ ምሉእ መሰል ናይ ምውራስ ከም ደቂ ንጉሥ ናይ ነገስታት ኢና ይብል። ደቂ አምላኽ ኢና በቲ ምስቲ ሓደ ወዲ እግዚአብሔር አብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ አሕዋተይን አሓተይን ዝብለና ሓደ ስድራ ኢና። ከምቲ ቆልዓ ንወለዱ ዘስተንትን ንእግዚአብሔር ክነስተንትን ትሑዛት ኢና፥ ናብ ስእሊ አርአይኡ እናተለወጥና ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንኃልፍ (2ቆሮ 3፡18)። ብሓኢ ንኢየሱስ ክንፈልጦ እንተ ኸአልና አብኡ ክንልወጥ ከቢድ አይኮነን፥ ጸጊሙና ዝችሎ ንኢየሱስ ምስስኡ ዘሎና ይመስለና እንተኾነ ተኸዊልናዮ አሎና። አብ ኹሉ ሕይወትና ንኢየሱስ ክንርኢ በዚ ዕለት ንሕተት አሎና ሽዑ ጸዋዕታና ርኢና ክንክእል ኢና።
ሰንበትና መዓልቲ ጸዋዕታ እያ።
ናይ ሎሚ ሰንበት መዓልቲ ጸዋዕታ እያ። ንቤተ ክርስትያኑ አብ አገልግሎት ዝወፍሩ እሙናትን ቅዱሳትን ውፉያት ልኡኻት ክህባ ነቲ ዋና ንለምኖ። ወንጌል አብ ነፍስወከፍ ክበጽሕ እሞ ሰብ መልክዑ አምሳል አምላኽ ምዃኑ ፈሊጡ አብ ጉዕዞ ሕይወቱ ንአምላኽ መራሒኡ ገሩ ሕይወቱ ክመርሕ ክንሕግዝ ናይ ኩልና ጸዋዕታ እዩ።
አብዚ ዘሎናዮ ዘመን አብ መብዝሕትኡ አገልገልቲ አምላኽ ውሒዶም ብፍላይ ካህናትን ገዳማውያን ውሖዶም ሰባት እምነቶም ዘፍልጦም ዝመርሖም ስኢኖም ዝዋረዱ ብዙሓት እዮም። ብዙሕ ጊዜ ነዚ ሓሳብ ክንሓስብ ከሎና እቲ አገልግሎት ካብ ካልኦት ደቂ ካልኦት ካልኦት ሰባት ነዚ አገልግሎት ክመጹና ኢና እንሓስብ። ንርእስና አብኡ እትዋት ከም ዝኾና አይንዝክርን። ደቂ ካልኦት ወላ ዘይንፈልጦም ካህናት ክኾኑልና ከገልግሉና ንጽሊ ደቅና ካህናት ክኾኑ ግን ብዙሕ ጊዜ አይንጽልን ወላ እውን አይንሓስቦን።
እቲ ጸገም ገፍሕ እዩ። “ጸዋዕታ” ዝብል ቃል ገፍሕ ወይ ጸቢብ ትርጉም ክንህቦ ንኽእል ኢና። አብ ገለ እዋን ጸዋዕታ ክንብል ከሎና አብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ወይ ገዳማዊ ጸዋዕታ ጥራሕ ክንሓጽሮ ንኽእል ኢና፥ እንተ ኾነ ነፍስዋከፍና ጸዋዕታ አሎና። መብዝሕትና አብ ዝተፈላለየ ነገራት ዝተጸዋዕና ኢና፥አብ ኪዳናዊ ሕይወት፥ ሓካይም፥ መማህራን፥ አብ አገልግሎት ህዝቢ፥ ግላዊ ሥራሕ ንምግባር አብዝን አብ ካልእን ዝተጸዋዕና ኢና። ዘይተጸውዐ ሰብ የለን።
እዚ ይኹን እቲ ሎሚ ነፍስወከፍና ክንሓቶ ዝግብአና ነገር አሎ። አብዚ እዋን እቲ ኹሉ አነ ዘጥፍኦ ሓይልን ጊዜን አብቲ ዝተጸዋዕክሉ መጸዋዕታ ድዩ? እዚ ድዩ አምላኽ አብ ሕይወተይ ክገብሮ ዝደልየኒ? እቲ አነ ዝገብሮ ከመይ እንተ ኾነ እዩ ንክርስትያናዊ እምነተይ ምስክርነት ክህብ ዝኽእል። አነ ብዓቕመይ እንታይ እንተ ገበርኩ እየ እዚአ እንነብረላ ዓለም ዝበለጸት ዓለም ንደቂ ሰብ እትኸውን? አነ ክሳብ ክንደይ እየ ንሓቂ፥ ንፍቕሪ፥ ንፍትሒ፥ ንነጻነት፥ አብ መንጎ ሰባት ቅቡል ክኸውን ዝሰርሕ?
ከምኡ ምናልባት ኩነታተይ ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ዘየፍቅደለይ ክኸውን ይኽእል (ከም ባዕል ኪዳን፥ ወይ ሓደ ፍሉይ ስራሕ) ግን አብ ከምዚ ኩነታት እንከሎኹ እግዚአብሔር ንዝዓበየ አገልግሎት ናይ ቤተ ክርስትያነይን ሕብረተሰበይን ይጽውዓኒ ይህሉ ይኸውን አሞ ሓሲበሉ እፈልጥዶ? አነ ንሕብረተ ሰበይ (አብ ቤተ ክርስትያነይ) ብሕይወተይ ገለ አበርክትዶ እገብርዶ ወይስ ክግበረለይ ጥራሕ እየ ዝጽበ።
እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍና አብ ግራት ወንጌል ክንወፍር ይጽውዓና አሎ። ንዝወሓድና ምናልባት አብ ክህነት ወይ አብ ገዳማዊ ጸዋዕታ ይሓርየና እዩ፥ እዚ ግላዊ ጸዋዕታ አብ ዝኾነ ጊዜ ሕይወትና ክመጽእ ይኽእል እዩ። እንተ ኾነ አማእት ካልእ ጸዋዕታን መገድታት ንዕብየት ቤተ ክርስትያንን ንሕብረተ ሰብን ክንሕግዘሉ እንኽእል አሎ። አበናይ ክፍሊ እዩ አምላኽ በቲ ፍሉይ ህያብ ወይ ክእለት ሂቡኒ ዘሎ ፍሉይ አበርክቶ ክገብር ዝኽእል? ነፍሲ ወከፍና ብሓቅን ብቕንዕናን አብ ልብና አቲና ነዚ ሕቶ ክንምልስ እንተ ንኽእል ርግጸኛ እየ ቤተ ክርስትያን ንኹሉ እትህቦ አገልግሎት እኹላት መራሕቲ ክትረክብ ከም እትኽእል።
ሎሚ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና በቲ ዘሎና ጸዋዕታ አፍረይቲ ኮና ክንርከብ ንዋና ጸዋዕታ ንለምኖ ከምኡ ብፍሉይ ንአገልግሎት ቤተ ክርስትያኑን ሕዝቡን ዝወፍሩ ክህበና እሞ እሙናትን ቅዱሳትን አብ ጸዋዕትኦም ክገብረልና ብፍሉይ ክንጽሊ። ንቤተ ክርስትያንካ ዘገልግሉ ሃበና እናበልና ምስታ አደ ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ማርያም አደና ንለምኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.