2012-05-05 14:59:48

ማኅበር "Centesimus Annus-መበል ሚእቲ ዓመት”


ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምኽንያት እታ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ዝደረስዋ ዕለት 15 ግንቦት 1891 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት “Rerum novarum-ሓደስቲ ነገራት” እተሰይመት ብዛዕባ ማኅበራዊ ጉዳይ እትድህስስ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 100 ምኽንያት "Centesimus Annus-መበል ሚእቲ ዓመት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ እትድህስስ ዓዋዲት መልእኽቲ መሪሕ ገይሩ ዝቖመ "Centesimus Annus-በመል ሚእቲ ዓመት” ማኅበር ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ልበ ኢየሱስ እተሰምየ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “Rerum novarum-ሓደስቲ ነገራት” ኣብ ጎድኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሕብረተሰብን ዕዳጋን ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዘነቓቕሖ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ከምእተጀመረ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ብረና ገሊጾም።
ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብግቡዕን ብብቕዓትን ንምብዳህ እቲ ዓቢይ ሃብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ ሃይማኖት ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምንቕቓሕን፣ ትግሃትን ዝግበረሉ እዋን ምዃኑ ዘመልክትን፣ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅውላው ኤኮኖሚ መንቀሊኡን ዓይነቱን ቅድም ቀዳድም ምልላይን ብናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ምብዳህ ኣብ ዝብል ዕላማ ኣሚቱ ዝካየድን ካብቲ ቅልውላው ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንምልቓቕ ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ምሕደራ ኤኮኖሚ ክቐውም ኣለዎ RealAudioMP3 ዝብልን ዘተባብዕ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ጋዜጠይና ብረና ዘመሓላለፍዎ ምንጪ ዜና የመልክት።
ናይቲ ዓወጸ መጽናዕቲ ናይ ዕዮ ጉባኤ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዘበገሱ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ኣብ ልበ ኢየሱስ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ መምህር ኣልበርቶ ኳድሪዮ ኩርዚዮ ከምዝኾኑን፣ ነቲ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንምብዳህ ቅድም እቲ ነተን ብኢንዳስትሪ ኣዚየን ዝማዕበላ 8 ሃገራት ዝሓቁፍ ማኅበር ቀጺሉ ድማ እተን ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ኢንዳስሪን ምዕባለ ዘርኣያ ተባሂሉ ዝንገረለን ሃገራትን ካብተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ገለ ገለ ሃገራት ዘሳተፈ ብጠቕላላ 20 ሃገራት ሓቆፍ ዝተኻየደ ጉባኤ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈ ኳድሪዮ ኩርዚዮ ጠቒሶም ኣብ መንጎ መንግሥታትን ሕብረተሰብን ኤኮኖምን ዕዳጋን ዘሎ ርክብ ትኽክለይናን ቅኑዕን ክኸውን ስነ ምግባር ለበስ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ብረና ኣስዒቦም፣ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒኮ ካልካኞ ከምዝኾኑን ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ መዳይ ማኅበራውን ኤኮኖሚን ኣብ ዝብል ኣርስቲ ዝተመርኮዘ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን ከምኡ እውን ኣብ ጀነቭ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ድሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማርያ ቶማዚ “ዘይምርግጋእን ውሕስነት ኣልቦን ሻቕሎት ሰብኣዊ ፍጠረትን ናይ ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ ሃይማኖት ብዛዕባ ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.