2012-05-04 17:25:14

ምስ ክርስቶስ ምውህሃድ ሰማዕታት ንዘሳድድውም ንምቅዋም ኃይሊ ይህቦም፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንል ዕሊ 40 ሽሕ ምእመናንን ነጋድያንን አብ ዘቅረብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀመርዎ አስተንትኖ ብምቅጻል ናይ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ምስክርነትን ጸሎትን ብሰፊሑ ተንቲኖም፣
ቅዱስ እስቲፋኖስ ተኸሲሱ ናብ መጋባእያ አብ ቅድሚ ሊቀ ካህናት ምስ ቀረበ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኢየሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ።” (ግሐ 6፡14) ንሱ ዝበሎ ግን እግዚአብሔር ብ ኢድ ሰብ አብ ዝተሠርሔ ቤተ መቅደስ አይነብርን፣ እቲ ሓቀኛ ቤተ መቅደስ ዝኾነ አብ መስቀል ኮይኑ ነቲ ናይ ኦሪት መሥዋዕትታት ብቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተኪኡ ሓዲስ ቤተ መቅደስ ኢየሱስ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“እግዚአብሔር ዝነብረሉ ሓዲሽ ቤተ መቅደስ ሥጋ ሰብ ዝለበሰው ወዱ ሰብ አውነት ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ ንሰብ ኩሉ አኪቡ አብ ምሥጢረ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝሕውስ ወዱ ኢዩ፣ ሽሕኳ ዝበዝሕ ጊዜ ጸማም ተቃውሞ ዘጋጥሞ እንተኾነ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ካብ ምርካብ አይደክምን፣ ሰውነት ኢየሱስከስ ናይ ሕያው እግዚአብሔር ህልውና ሓዲስ ቤተ መቅደስ ኢዩ፣
አብቲ አምላኽን ሰብን ዝኾነ ክርስቶስ እግዚአብሔርን ዓለምን ይራኸቡ፣ ኢየሱስ ናይ ዘመደ አዳም ኃጢአት ብምሉኡ አብ መንኩቡ ተሸኪሙ ናብ ፍቅሪ አምላኽ አብጺሑ አብ ኡ በዚ ፍቅሪ እዚ የቃጽሎ፣ ናብ መስቀል ምጽጋዕ ምስ ክርስቶስ ምውህ ሃድ ከስ አብዚ ጕዕዞ ለውጢ ም እታው ማለት ኢዩ፣ እዚ ምስ እግዚአብሔር አብ ርክብ ም እታው ከስ ናብቲ ሓቀኛ ቤተ መቅደስ አምላኽ ብም እታው ምስ እግዚአብሔር ምርኻብ ማለት ኢዩ፣
ቅዱስ እስጢፋኖስ ነቶም ዘሳድድዎ ዝነበሩ ንምግጣም ካብቲ ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮ ርክብ ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዝነበሮ ውኅደት ካብ አስተንትኖ ታሪኽ ድሕነት፣ ተግባር እግዚብሔር አቦ ካብ ምር አይን ኃይሊ ክረክብ ክ ኢሉ፣ ጸሎትና እውን ቃል እግዚብሔር ካብ ምስማዕ ክቅለብ አለዎ፣
ናብ እግዚብሔር ንከቅርበናን መዓጹ መንግሥተ ሰማይ ንክኸፍተልናን ናብ ሥጋ ደቂ ሰባት አትዩ ን እግዚአብሔር ቀረባና ከምዝኸውን ዝገበረ ወዲ እግዚአብሔር፡ እቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሐንጸ ቤተ መቅደስ አምላኽ ኢዩ፣
ስለዚ ጸሎትና ነቲ ጐይታ ዕለታዊ ህላዌና ዝኾነ አብ የማን እግዚአብሔር አብ ተቐሚጡ ዘሎ ኢየሱስ ምስትንታን ክኸውን አለዎ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.