2012-05-03 15:13:38

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ብፁዕና ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ስታኒስላዎ ዘ ፖላንድ RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እታ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ኣብ ዝኣወጀትሎም ዕለት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ በሸሓት ዝቁጸሩ ምእመንናን ላዕልዎት ናይ መንግሥታት ኣካላትን ኣዕለቕሊቑ ዝተራእየ ሃዋሁ ለሚ እውን ህያውነቱ ዝምስከረ ዕለት ምዃኑ ገሊጾም፣ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ 26 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበርዎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ጉስነት እቲ ኣብ ነቢይ ኢሳያስ “ናይ ሓጎስን ሰላምን ድሕነት መልእኽተይና” ዝብል ቃለ ትንቢት ዝተነበረሉ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ከምኡ እውን ኣብ ፖላንድ በቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ገና ብፁዕ ኣቡን እከለዎ ዋና ጸሓፊኦም ኮይኖም ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎትም እውን ዋና ጸሓፊኦም ኮይኖም ዘገለግሉ፣ ኣብዚ እዋን ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ድዝዊች ኣብታ ትውልዲ ሃገር ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተዘኪሩ ዝወዓሉ ቀዳማይ ዓመት ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት መንፈሳውነትን ሰብኣዊ ብስልነትን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተንቲኖም ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ምንጽጻግ ከምዘየለ ብብቕዓት ሊቕነቶም ዘረድኡ ሓቀይና ስልጣኔ ናይ ሕይወት ባህሊ ከምዝኾነ ዘስተምሃሩ፣ ናይ ሕይወት ስልጣኔ ክሰፍሕ ከይተሓለሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታት ዘኪሮም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን መንሰይን ዝነበረን ዘሎን ርክብ ጠቒሶም፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ተስፋ ክውሕዝ ዝገበሩ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.