2012-05-01 13:50:30

“ወለዶ ዎይትይላ” ኣብ ቀዳማይ ዝኽረ ዓመት ብፅዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ናይቶም ብ.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መርሕነት ናይ ዝተኻየዱ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ፣ መንፈሳውነቱን ተመስጦታቱን ሱታፌታቱን ዳግማይ ምንባር ዝተነበየ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ቶርቨርጋታ ትማሊ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ናይ ምሸት ሰዓት ሾሞንተ በቶም “ወለዶ ዎይትይላ” RealAudioMP3 ብዝብል ስም ብዝለለዩ ነበር መንእሰያት ወለዶ ኣብ ቀዳማይ ዝኽሪ ዓመት ብፅዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጸሎት ዋዜማ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ውሳኔ መሠረት ብፅዕና ከምዝኣወጀትሎም እንክዝከር፣ እነሆ ድማ ዕለት 1 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ዝኽረ ዓመት ብፅዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘኪራ ከምዝወዓለትን፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፍሉይ ትንቢታዊ ሓልዮ ዘበገስዎ፣ እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝብዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብቐጻልነት ዝሳተፉን እቶም ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዝተሳተፉን፣ ኣብቲ እዋን መንሰያት ዝነበሩን ኣብዚ እዋን’ዚ ብወለዶ ዎይትይላ ዝብል መጸውዒ ዝልለዩ ነበር መንእሰያት፣ ትማሊ ኣብ ቶር ቨርጋታ ተኣኻኺቦም ብናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ኣብ ዝተመረሔ ጸሎት ዋዜማ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ሮማ ሰበኻ ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መንእስይ ወለዶ ሓላፊ ኣባ ማውሪዚዮ ሚረሊ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ዝኽሪ ዓመት ብፅዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣድላዪነቱ ባዕሎም እቶም መንእሰያትን ነበር መንሰያትን ዝምስክርዎን ብድላዮም ዝተበገሰ መደብ እውን ምንባሩ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ነቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቢ ዓመቱ ኣብ ዝብዕለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ሮማ ቶር ቨርጋታ “እቲ ቓል ሰብ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ምሳና ተቐመጠ” (ዮሓ. 1፣14) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ኣብ 2000 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 15 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ተሳተፍቲ ነበር መንእስያት ዝነበርዎ መንፈሳዊ ተመክሮን ሱታፌን ዳግም ዝተነብሮ ጸሎት ዋዜማ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቶር ቨርጋታ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቶም ኣብቲ እዋን መንሰያት ዝነበሩ ተሳተፍቲ ሰናይ ካብ ምፍጻም ከይቦኽሩን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰናይ ከይተሓለሉ ክቃለሱ እንክብሉ ዝሃብዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን፣ ኣብዚ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣዚዩ ዘገድስ እውን እዩ። ኣብቲ ናይ ቶር ቨርጋታ መዓልቲ መንእሰያት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ተሳተፍቲ መንእሰያት፣ ኣብ ትሕቲ መርሕነት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብሓባር ጸልዮምን ዘሚሮምን መሪሕ ሥልጣናዊ ቃልን ኣስተምህሮን ምዕዳንን ዝተቐበልሉን ነበር መንእሰያት ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበርዎ መንፈሳዊ ተመክሮን ተመስጦን ዳግም ንኽነብርዎን ኣብ ትሕቲ ሓልዮ ኣማላድነት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኣኻኺቦም፣ መንሰያት ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍትዋትን መንእስያት ኣፍቀርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምዃኖም ዝምስክር ጸሎተ ዋዜማ እዩ ኢሎም።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፣ መንእሰይ ወለዶ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክራኸብን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጽልይን ዝነቓቕሕን ሓድሽ ወለዶ ዓለም ናብ ዝበለጸ ንምልዋጥ ዘለዎም ድላይን ሓይልን ዝፍጽሞ ጻዕርን ካብቲ ኩነት ውልቃውን ማሕበረሰብኣውን ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነቅል ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን ዝመርሕን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.