2012-05-01 14:00:21

፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2004 ዓ.ም (29 ሚያዝያ 2012)


መዝሙር አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ገና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።
ንባባት ቈላ 36~13፥ 1ዮሓ 21~5፥ ግ.ሓ. 313~19፥ ሉቃ 2435~48
ስብከት፤ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፥ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመ ሕያው፥ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት” ምሕረት እግዚአብሔር ንገሩ፥ጥበቡኸአ ንደቂ ሰብ፥ መዓጹ ሓጺን ስለ ዝሰበረ፥ መዝ. 106
ዘመነ ትንሣኤ ንፍሉይ ርክብ ምስ አምላኽ ክንገብር ዝዕድመና እሞ ደቂ ትንሣኤ ኮና ብርሃን ትንሣኤ አብሪህና ሕይወትና ክንመርሕ ይጽውዓና። ብቐትሪ ዝንቀሳቐስ ክርኢ ይኽእል ከምኡ አብ ከባቢኡ ዘሎ ፈሊጡ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊ ይኽእል፥ ርእዩ ንዝተበላሸወ ነገር ክዕሪ ይኽእል። ትንሣኤ ንኹልና ከም ብቐትሪ ዝንቀሳቐስ ሰብ ኮና ክንቀሳቐስ እዩ ዝደለየና። አብ መንፈስ ትንሣኤ አቲና ሕይወትና አብቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ክንመርሕ እሞ ዓለምናን ናብራናን ንብረት ክርስቶስ ኮና ክንርከብ። አብዚ ቅዱስ እዋን ብኹሉ ተሓዲስና ንሰላም ክርስቶስ አብ መንጎና ክነንግሳ፥ ነሕዋትና ብስራት ትንሣኤ ርእዮም ክኽእሉ ክንሕግዞም። አብታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ እንርእዮ ዝኾነ አባል ንኢየሱስ ዝርአዮ ዝረኸቦ ንኻልኦት ክነግር ክሕብር ከም ዝደሊ ኢና እንርኢ። አብ ግ.ሓ. ብተደጋጋሚ ከም እነንብቦ ኩሎም ንዝተንሥኤ ክርስቶስ ክሰብኩ ከም ዝወፈሩ እሞ ሕይወቶምን ቃሎምን ሓደ ስለ ዝነበረ ብሓንሳብ ይጽልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ንጽጉም ይረድኡ ስለ ዝነበሩ፥ አብ መንግኦም ዝኾነ ፍልልይ ስለ ዘይነበረ አብ ሓጺር እዋን ብዙሓት ክኽተልዎም ክኢሎም። ንትንሣኤ አብ ሓጺር እዋን አብ ኩሉ አብጺሖሞ። እዚ እዩ ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎ። ንክርስቶስ ብኹሉ ከምዝፍለጥ ምግባር ሰባት ሕይወቶም ክቕይሩ ምሕጋዝ።
መልእኽቲ ወንጌል አብ ኩሉ ክነብጽሕ ሎሚ ትሑዛት ኢና፥ እንተ ኾነ መጀመርያ እነብጽሖ መልእኽቲ ክንፈልጦ እሞ ካልኦት አብ ሕይወትና ክርእይዎ አለዎም ምኽንያቱ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያን ብሕይወቶም ብሓድነቶምን ብኹሉ ንካልኦት አብ ክርስቶስ ከምዝመጹ ዝገበሩ ከምኡ ንሕና እውን ክንገብር ትሑዛት ኢና። ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ከምኡ ናይ እዋና ኩነታት ክርድአና ይግባእ ወንጌል አብ ኩሉ መታን ክነብጽሕ።
ምልምማድን ምርዳእን ቀንዲ መጋበሪና እዩ።
ንርድኢትና ከዕዝዞ ሓንቲ አብነት ክህበኩም። ሓደ እዋን ሓንቲ አደ መግቢ አብ ገዝአ ኮይኑ እናሰርሔት እንከላ ብመስኮት እንተ ጠመተት ክልተ ደቃ ብብርቱዕ ክብአሱ ርእያ፥ አብ መጀመርያ ዝጻወቱ መሲልዋ እንተ ኾነ ናይ ብሓቂ ምዃኑ ምስ ፈለጠት እናጎየየት መጺአቶም ርእይ ምስ አበልዋ ብሃንደበት ባእሶም ደው አቢሎሞ እዚ ኸአ ንሳ ገለ ከይትብሎም ብውሽጦም ተስፋ ብምግባር እዩ። እንተ ኾነ አደ ብሕርቃን እንታይ ኢኹም እትገብሩ ጸኒሕኩም ከምዘይ ትፈልጥ ኮይና እያ ሓቲታቶም ትርእዮም ነራ እያ ክብአሱ ከለዉ እንተ ኾነ እቲ ነገር ካብኦም ክትሰምዖ ደልያ። መባአሲኦም ምኽንያት ክትፈልጦ ደልያ ደጋጊማ ብሕርቃን ሓቲታቶም። አብ ሕይወትና ንሓደ ነገር ካብ ዋንኡ ክትፈልጥ ክንደይ ጽቡቕ እዩ ወላ ብመጠኑ አፍልጦ ይሃሉኻ። አብ ባህርና ከምእንዕዘቦ ንሓደ ነገር ቀንዱ ከይፈልጥካ ከሎኻ ሱቕ ክትብል ከቢድ እዩ። ካብ ተመክሮና ነቲ ነገር ብተመክሮ ክትፈልጦን አብ ውሽጡ አቲኻ እንታይነቱ ክክትፈልጥ ዓቢ ፍልልይ አለዎ። ናይ ሓደ ጉዳይ ክፍሉ ምዃንን ውሽጣዊ ትርጉሙ ምፍላጥን ቀሊል አይኮነን። ኢየሱስ ባዕሉ ነዚ አነጺሩ ነጊሩና እዩ ማለት አብ መንጎ ዝርእዩን ዝሰምዑን ከምኡ አብ መንጎ አብ ልቦም ዘሕድሩን ነቲ ነገር ዝርድኡን ዓቢ ፍልልይ አሎ። ናይ ሓደ ጉዳይ ወይ ነገር ክፍሊ ምዃን ዋሕስ አይኮነን ክንርድኦ ክንፈልጦ ይግባእ። ነቲ ነገር ብዑምቀት እንታይነቱ አብ ውሽጡ አቲና ክንርእዮ አሎና። ብዙሕ ጊዜ ንሕና ተመክሮ ወይ ልምምድ አሎና አብ ውሽጢ አቲና ምስጢርን ትርጉምን አይንፈልጥን ኢና። ትንሣኤ አብ ውሽጢ ምስጢር ድሕነትና ክንአቱ ባብ ይኸፍተልና።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እንተ ረኤና ሓዋርያት ናይ ኢየሱስ ሞት ወላ እኳ አብ ቅድሚኦም ይፈጸም ባዕሉ ቅድሚ ሞቱ እውን ደጋጊሙ ነጊርዎም ይንበር እምበር ምስጢሩ ክአትዎም አይከአለን። ወላ እውን ድሕሪ ሞቱ ይርአዮም አብቲ ቀንዲ ምስጢሩ ክአትዉ አይከአሉን። ሉቃስ ወንጌሉ ክጽሕፎ እንከሎ ሰባት ኢየሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑን ንሱ ወዲ አምላኽ ምዃኑ ክአምኑን ክፈልጡን ኢሉ እዩ። ነዚ ከረድእ ኢሉ ናቱ አገባብን መገድን ይኽተል፥ ብዛዕባ ትንሣኤ ክነግር እንከሎ እቲ አብ ዓርቢ ስቕለትን ሰንበት ትንሥኤን ዝተፈጸመ ኩሉ ምስቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክነተሓሕዞ እንከሎና ጥራሕ ትርጉም ክምዘለዎ እዩ ዝገልጽ። ሓዋርያት ካብ ባዕሎም ተበጊሶም አብቲ ዝኸውን ዝነበር ክበጽሕዎ አይከአሉን። ነቲ ኩሉ ዝኸውን ዝነበረ ክርድኡ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ጥራሕ ነቲ ኹሉ ጎልቢብዎም ዘሎ ክቕንጥጠሎም አለዎ።
ሉቃስ ጽቡቅ ገሩ ነዚ ነገራት አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ይገልጾ። እቶም ክልተ ሰብ ኤማሁስ ካብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ተመሊሶም ንኢየሩሳሌም ምስቶም ካልኦት ክራኸቡ ከምዝተመልሱ ይነግረና። ክልቲኦም ነቲ አብ መገዲ ክኸዱ ከለው ዝገጠሞምን ንኢየሱስ ከመይ ኢሎም አብ ምቝራስ እንገራ ከም ዘለልይዎ ነጊሮሞም። እንተ ኾነ እዚ ኹሉ ነቶም ካልኦት ሓዋርያት ገለ የስምዕዶ ይርድእዎዶ ከምኡ ይቕበልዎዶ ነሮም እንተ በልና ገና ልቦም ደንዚዙ ነሩ።
ሉቃስ ናይ እዚ መልሲ ቀልጢፉ ይህበና። ከምዚ ኢሎም እናተዛረቡ ከለዉ ኢየሱስ ይርአዮም። አብ ኪንዲ ዝተራዮም ዝሕጎሱ ፈሪሖም ስንቢዶም አብክንዲ ዘለልይዎ ምትሓት ዝርአዩ መሲልዎም። ብዘይካ ነቲ አብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገራት ነቲ አብ ቅድሚኦም ዝርእይዎ ዝነበሩ ከምዚ ክብሉ አይከአሉን። ሉቃስ እዚ ናይ ኢየሱስ ምርአዮም ብርእሱ ከም ሓደ ቀንዲ አገዳሲ ነገር ገሩ አይኮነን ዘቕርቦ። እቲ ምርአይ ብባዕሉ ንናይ ሓዋርያት አዒንቲ ክኸፍት አይከአለን። አብ መገዲ ኤማሁስ እውን ክርአዮም እሞ ምስኦም እናተጓዕዘ እንከሎ ከለይዎ አይከአሉን፥ ልክዕ አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል እውን ንኣኡ ብምርአይ አዒንቶም ክኽፈታ አይከአላን።
ኢየሱስ ክአምኑ ኢሉ ተንክፉኒ እሞ ሽዑ ክትአምኑ ኢኹም ፥ ምትሓት ከምዚ ናተይ ዓጽምን ሥጋን የብሉን እናበለ መን ምዃኑ ነጊርዎም። እቲ ምስኦም እንከሎ ዝብሎም ዝነበረ ሓቂ ከም ዝኾነ ነቲ ጽሑፋት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክርእዩ ኸአ አእምርኦም ከፈተሎም አብኡ መታን ክአምኑ። ነቲ ኩነታት ብምግላጽ ካብቲ ዘለውዎ ጸልማት አውጺኡ ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ዝገጠሞ ገሊጽሎም። ሓዋርያት ነዚ ባዕላቶም ክገብርዎ አይክእሉን እዮም ነሮም፥ ንርእሶም ይርእዩ አይነበሩን፥ ብባዕላቶም እንተይ ይኸውን ከምዘሎ ክርድኡ አይከአሉን። እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ነቶም ሓዋርያት አብ ምስጢርን ግልጸትን ከሰጋግሮም ዝኽእል፥ ካብ ምድንጋር ናብ ምርዳእ ከሰጋግሮም ዝኽእል። እዚ እዩ ህያብ ትንሣኤ ዝሃቦም፥ ንአና እውን ሎሚ ዝህበና። አብ ምስጢር ትንሣኤ አቲና ክንክእል ንኢየሱስ ክበጽሓና ንዓድሞ። ብዝተፈላላየ መገዲ ይበጽሓና እዩ እንተኾነ ብዙሕ ጊዜ ከም ሓዋርያት ክነላልዮ ይጽግመና እዩ። ወረ ገለ እዋንስ ነቲ ዝህበና ምልክት ከም መርገም ገርና እንርእዮ እዋናት አሎና እሞ ሎሚ ኢየሱስ አለልዩኒ አነ እየ አባይ ቅረቡ እናበለ ክንቅርቦ ይሓተና አሎ።
ነዚ ሓዲስ ርድኢት ምስ ለበሱ ሓዋርያት ክምስክሩ ክኢሎም።
መሰኻኽር ናይ እቲ ዝኾነ ነገር ጥራሕ ዘይኮኑ ምስጢርን ትርጉምን ናይ እቲ ዝኾነ ነገር ኮይኖም። ሉቃስ ነዚ ከረድእ ኢሉ አብ ግ.ሓ. ከም እነንብቦ ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዝሃቦ አስተምህሮ ትርጉም ናይ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብግሁድ ገሊጽዎ ንርኢ። አብዚ ኹሉ ቅዱስ ሉቃስ ዝነግረና ትምህርትን ርድኢትን ናይ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን አብ ትንሣኤ ኢየሱስ ዝተመስረተ ምዃና ኢና እንርኢ። እዚ ጥራሕ እዩ እቲ ፍሉይ ሓላፍነት። ቤተ ክርስትያን ምስጢር ትንሣኤ ክትርዳእ ምስ ከአለት ሽዑ ስብከታ ዕዉት ይኸውን፥ ሽዑ ወላ ስደት ሞት ሽግር ይብዛሕ ምስጢር ትንሣኤ ስለ ዝአመነትን ዝተረድኣትን ንሞት ብዓወት ንጸልማት ብብርሃን ንሽግር ከአ ብራህዋ ተኪአቶ ንክርስቶስ ክትምስክር ድሕር አይትብልን። ክርስትያን ዝሓፍር ወይ ዝፈርሕ ምስጢር ትንሣኤ ምስ ዘይተሰቝሮ ጥራሕ እዩ። ወዲ/ጓል ትንሣኤ መለልይኡ ሓድነት፥ ሓጎስ፥ ፍቕሪ፥ ሕድገት እዩ።
ትምህርትን ርድኢትን ትንሣኤ ናይ ቤተክርስትያን አብቲ ርድኢት ቀዳሞት ሓዋርያት ዝተመስረት እዩ። ነዚ ክንርዳእ አብቲ ኩሉ ጊዜ አብቲ ዝነበሮም ርድኢትን አብቲ አብኦም ዝርኤ ዝነበረ ትብዓት ክንምስርቶ ትሑዛት ኢና። ሓዋርያት ነቲ ዝነበሮም ተምክሮን ነቲ ሓዲስ ግልጸት አብኦም ዝርኤ ዝነበረ ንርእሶም ጥራሕ ሒዞሞ አይተረፉን። ንኹሉ ክሰምዖም ፍቓደኛ ዝኾነ ከስምዑ ድሉዋት እዮም ነሮም። እዞም ቀዳሞት ሓዋርያት ነቲ ዝነበሮም ሓዲስ መልእኽቲ አብ ሓዲስ ሰናይ ዜና ንኹሉ ሰብ ከምዝኾነ ገሮም አቕሪቦሞ። ሎሚ ንስብከት ክንወፍር እንተ ኾና ወሳኔኡ አብቲ አብ ትንሣኤ ዘሎና አፍልጦ እዩ ዝምስረት፥ ምስጢር ትንሣኤ ከይሓዝና ክንሰብኽ ክኸብደና እዩ።
ነፍስወከፍ ወለዶ ነቲ ሓዲስ ዜና ኢየሱስ ከምናታ ገራ ወሲዳ አብ ኩሉ ክተብጽሖ ትሕዝቲ እያ። መልእኽቲ ወንጌል ንዘመናት ህያው ኮይኑ ንወለዶታት ዝቕጽል ዝነበረ በብዘመኑ ዝነበሩ ክርስትያን ብሕይወቶም ነቲ ናይ ኢየሱስ መልእኽቲ ይምስክርዎን ይነብርዎን ስለ ዝነበሩ እዮም። ነቲ መልእኽቲ ሰናይ~ሕይወት፤ ሕያው ክንገብሮ እንተ ኾና እንተ አውረስናዮ ጥራሕ እዩ ማለት ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነ አብ ካልኦት ከም ዝሓልፍ እንተ ገበርናዮ ጥራሕ እዩ። በዚ እቲ መልእኽቲ ወንጌል አይመውትን እዩ።
ንምስጢር ትንሣኤ ሎሚ ሓዲስናዮ ክንርከብ እሞ ብሕይወትና አብ ኩሉ ክንሰብኮ ንኻልኦት አብ መአዲ ክርስቶስ ክቐርቡ ክንሕግዞም እሞ ማሕበር ክርስቶስ ክንበዝሕ ናይ ነፍስወከፍና ተልእኮ እዩ። ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ እሞ ኩልና በቲ ትምህርቲ ወንጌል ሕይወትና ክንመርሕ። ባህግን ትምኒትን እኹል አይኮነን፥ ንትምህርቲ ወንጌል ክነብሮ ሎሚ እዋኑ እዩ። አብ መአዲ ጸሎት ክንሳትፍ እሞ ክርስቶስ ክበጽሓና ክንዕድሞ፥ “ሰላም ንአኻትኩም ይኹን” እናበለ ኸአ ክበጽሕና እዩ።
ብሩኽ ዘመን ትንሣኤ ይግበረልና

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.