2012-04-28 14:56:12

ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ምልኣተ ጉባኤ


ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ትማሊ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዕለት 1 ሚያዚያ 1963 ዓ.ም. ዝደረስዋ “Pacem in Terris - ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቲ ዘማእከለ መበል 18 ምልኣተ ጉባኤ ከምዘበገሰ እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ዕለት 1 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ዝጠቓለል ምልኣተ ጉባኤ RealAudioMP3 መሠረት፣ እዋናዊ እማረ “ሰላም ኣብ ምድሪ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽትን ሸቶ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ምልኣተ ጉባኤ ኣብ ዝብል ሕቶ ናይቲ ጳጳሳው ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ሊቀ መንበር ፕሮፈሰር ማርያ ኤን ግለንዶን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝበልዎ ሰላም ውዱእ ዕላማ ዘይኮነስ በቢ ዕለት ዝህነጽን ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ዝማርኽን ክቡር ዋጋ እዩ ኢለን፣ እዚ ጉባኤ ካብ ዓውዲ ቁጠባ ዝተዋጽኡ ዘሳትፍ ምዃኑን፣ ንኣብነት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ማእከላይ ባንኪ ቤት ሊቀ መንበር ማሪዮ ድራጊ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ምዃኖም ጠቒሰን ኣብ መዳይ ቁጠባን ኤኮንምን ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ዓሚዩቕ ዝርርብ ዝግበረሉ ከምዝኾነን፣ እቲ ጉባኤ ናይ ተስፋ ምልክት ዘቃልሑ ሓደስቲ ሓሳባት ዘቕርብ ክኸውን ተስፋ ተነቢሩ ከምዘሎን፣ ብፍላይ ድማ እቲ ስርዓት ምርግጋእ ዝኾነ ሰላም ኣብ ምንዳይን ምርግጋጽን ተራ ሃይማኖት እንታይ ምዃኑ ዘነርጽ ጉባኤ እዩ ኢለን።
ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ካብቲ ዝነበርሉ እዋን ሎሚ ብዝበለጸ ክንርድኦ እንኽእል ሓሳባት ኣቕሪቦም እዮም። ኵሉ ብፍላይ ድማ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣብ ሕንጸት ሰላም ሓላፍነት ከምዘለዎን፣ ንኣብነት ኣብ ቤተ ክርስትያን ተራ ዓለማውያን ምእመናን ዘነጽር ኮይኑ፣ ቤተ ክርስትያን ሓባሪት ፖለቲካን ፍሉይ መርሃ ግብሪ ፖለቲካ እተቕርብ ከምዘይኮነትን፣ በንጻሩ ኵሉ ሓቆፍ ዝኾነ፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ሃገርን ሕብረተሰብ ክንበሩን ክኽበሩን ዘለዎም ምስ ሰብኣውነት ምዃን ዝተኣሳሳረ መሰረታዊ ሓሳባትን መምርሕታትን እያ እተቕርብ፣ ስለዚህ እታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቲ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ጉዳይ ርክባት ሓድሽ ስነ ካቶሊካዊ ኣሰር ዘለዎ ክልሲ ሓሳብ ወይ ድማ ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ገብ ዘቕርብ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ንዅሉን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱን ባህሉን ውሽጢ ሰላም ንኽሓንጽ ዝድርኽዎ ሃብትታት ሃሰስ ክብል ዘተባብዕን ዘተሓሳስብን መልእኽቲ ዘማእከለት እያ።
እማረ ካቶሊካዊ ስነ ማሕበራዊ ትምህርቲ ምድግጋፍን ምክብባርን ምቅብባልን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዘተሓሳስብ እውን እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ዝኾነ ይዅን ውሳኔ ናይዞም ክብራት ዋጋታት ሓሳብ ክንጸባረቕ ኣለዎ። ብዛዕባ ምሕደራ ዓለማውነት ምትእስሳር ክንዛረብ እንተድኣ ኮይንና እዞም ክቡራት ዋጋታት ክንዝንግዕ የብልና፣ ካብ ላዕለዋይ ክሳብ ታሕተወዋይ ሓላፍነት እዚ ክኣምን ከምዘለዎ ዝምዕድ እዩ። እዚ ጳጳሳዊ ተቛም በቢ ዓመቱ ኣብ እንነብረሉ እዋን ዝቀላቐሉ ብድሆታት ብጥንቃቔ ብምምርማር ንዘካይዶ ምልኣተ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ የቕርቦ፣ ንኣብነት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተመርኵይዙ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት እዩ ዝዘተየ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝገሃሰሉን ብእትስዕቦ ሃይማኖት ምኽንያት ኣደዳ ጸቕጥን ስደትን መከራን እትኾነሉ ኩነት ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝረአይ እዩ። ምእንቲ’ዚ ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛም ህልው ኩነታት ዓለምን ሕብረተሰብን መርሚሩ ኩላውነት ርእየት ዘለዎ ሓሳብ ንምቕራብ ዓሚቱ በቢ ዓመቱ ዘካይዶ ምልኣተ ጉባኤ እዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.