2012-04-28 14:59:53

ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ “ሰበኻታት ኣብ ደገፍ ሕብረተሰብ”


ብፁዕ ካርዲናል ተታማንዚ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ዘስዕቦ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራዊ ሓቆፍ ነቶም RealAudioMP3 በቲ ቅልውላው ብዝያዳ ዝጥቕዑን ካብ ማከላይ መነባብሮ ናብ ድኽነት ዝወድቁን ምድጋፍ ዝብል መርሃ ግብሪ ወጢኖም፣ በዝ መሠረት’ዚ ብሰበኻ ደረጃ እቲ ‘መደብ ሓገዝ’ ብምንቕቓሕ ዘበገስዎ ዕላማ ቀጻሊ ኮይኑ እነሆ ድማ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ እቲ ናይ ደገፍ መደብ ካልኣይ ከይዲ ትግባሬኡ ሓንጺጾም ከምዘበገሱ ካብ ሚላኖ ሰበኻ ዝተመሓለፈ ምንጪ ዜና ሓቢሩ።
ናይ ሚላኖ ሰበኻ “ኣምብሮዚዩስ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበርን ናይቲ ናይ ደገፍ ማኅበር ኣመት ዝከታተል ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ተስቶረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣቲ ናይ ሚላኖ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ተታማንዚ ዘበገስዎ ናይ ሓገዝ መደብ ብዙሕ ውጽኢት ኣዕቲሩ እዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ዝተኸስተ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው መፍትሒ ከይረኸበ እኳ ድኣ ብዝላዕለ ደረጃ እናሰፍሔን ብቐጻልነት ብሓት ናብ ድኽነት ይድርኽ ብምህላዉ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ዘበገስዎ ናይቲ ናይ ደገፍ መደብ ካልኣይ ከይዲ ትግባሬ እዩ። እቲ ናይ መኽሰብ ወለድ ዝብል ከይዲ ቁጠባ ዘይክተል መደብ መሠረት ንኡስ ልቓሕ ነቶም ብድኽነት ዝጥቕዑ ምቕራብ ዝብል እቲ ዝረኽብዎ ናይ ቁጠባ ሓገዝ ብግቡእ ከዋፍሩን ነዚ ዝድግፍ ሙያዊ ሕንጸት ብምቕራብ ኣገልግሎት ክስነ ዝብል እዩ። በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ምኽንያት ካብ ስራሕ ንዝስጎጉ ምስቲ ህልዉ ኩነታት ናይ ስራሕ ዓለም ምስ ዝሓቶ መምዘኒ ዝተመዓራረየ ሕንጸት ረኺቦም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ክብ ክብል ዝድግፍ መደብ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.