2012-04-28 15:01:28

ሕቡራት መንግሥታት ዓለም


እቲ ድሕሪ ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ምእዋጅ ሉኣላውነት ደቡብ ሱዳን ንነጀው ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ናይ ማዕድን ነዳዲ ሃብታም ዶባት ንምቁጽጻር ብዝብል ድላይ መሠረት ዝተበገሰን RealAudioMP3 እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ብዓለም ሓቆፍ ማኅበርሰብ ከምእተኾነነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ካይሮ ናይ ሶሪያ ህልዉ ኩነታት ኣማእኪሉ ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ኣኼባኡ ዘካየደ ሃገራት ዓረብ ሓቆፍ ማሕበር ክልትኤን ሃገራት ተጻባእነተን ከወግዳን ነቲ ኣብ መንጐኤን ተከሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብናይ ሰላም ዘተ መድረኽ ክፈትሐኦ ዝድግፈን መገዲ ክኽተላ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ብዛዕባ እቲ ናይ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ግጭት ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዘካየዶ ዝርርብ ከምዘጠቓለል ተገሊጹ።
ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ቤት ምኽሪ ክልትኤን ሱዳን እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብቑዕ መልሲ እንተድኣይ ዘይሃባሉ ማዕቃብ ዘጠቓልል ውሳኔ ከመሓላልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም እቲ ኣብ ሰሜን ኬንያ ካኩማ ከባቢ ዘሎ ናይ ተመዛበልቲ መዕቆቢ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ስለ ዘዕለቕለቕ፣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ተደሪኾም ዝመዛበሉ ቁጽሮም ክብ እናበለ ይከይድ ንምእንግዶም ዝሕግዝ ንምእንጋድ ኣብ ሰሜን ኬንያ ሓድሽ ናይ ተመዛበልቲ መዕቆቢ ከምዘቖመ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.