2012-04-26 15:01:00

ዓውደ መጽናዕቲ “Il Cortile dei Gentili - ደንበ ኣህዛብ”


ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ናይ ስነ መጽናዕታት ዘቕርብዎ መልስታት ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነት ምርምርን እውን ዘሎ ዘተን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምንጽጻግ መሠረታዊ ጥምረት ንምትንታንን ንምዝታይን “Cortile dei Gentili -ደንበ አህዛብ” 00:02:40:18 ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ኣብ ቦሎኛን ፓሪስን ቡካሬስትን ፊረንዘን ሮማን ኣብ ቲራናን ከምኡ እውን ካብ ዕለት 29 መጋቢት ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም. “ባህሊ ሕጋውነትን ህብረሃይማኖታዊ ሕብረተሰን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓሌርሞ ዓውደ መጽናዕታት ከምዘካየደ እንክዝከር፣ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ስነ ጥበብን ጽባቔን ደረት ሰገርነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዘሳትፍ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘዳለወ ናይ ባህሊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ ባርቸሎና ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም፣ ናይ “Cortile dei Gentili -ደንበ አህዛብ” ፈጻሚ ኣካል ሓላፊ ኣባ ላውረንት ማዛስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይ ቀረባ እዋን ኣብ ፓሌርሞ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕትን ኣብኡ ዝተበገሰ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ዘሳትፍ ደንበ ሕጻናት ከምኡ’ውን ተመሃሮን ሠራሕተይናታትን ኮታ ኩሉ መንእሰይ በቢ ዝተዋፈረሉ መዳይ ኣተኣኻኺቡ ዘዛትይ ደንበ መንእስያት ዝብሉ መደባት ጠቒሶም፣ እዚ መደብ ዓወደ መጽናዕቲ ደንበ ኣሕዛብ ብዝተፈላለየ መዳይ እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎ ገሊጾም፣ ናይ ዝተኻየዱ ዓወደ መጽዕትታት ዝሕተሙ ናይ መጠቓለሊ ሰነዳት መሠረት ንመጽናዕቲ ዝድግፍ መጋበርያ ብምቕራብ ናይቲ ደንበ ኣሕዛብ ዘተ ኵላውነት መልክዑ ይረጋገጽ ኣሎ ምስ በሉ፣ መደብ ኣሕዛብ ዘካይዶምን ዝውጥኖምን ዓወደ መጽናዕታትንን ፍጻሜታቱን ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳት ንምውካስ ድማ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ነጥቢ ኮርቲለደይጀንቲሊ ነጥቢ ኮም ዝብል ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ምውካስ ከምዝከኣል ሓቢሮም፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግሥቲ “ርክባትን ሓቅን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝምራሕ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታት ዘሳትፍ መደብ ደንበ ኣሕዛብ ክካይድ ሓሳብ ከምዘቕረበ ኣባ ላውረንት ማዛስ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም። 00:02:40:18







All the contents on this site are copyrighted ©.