2012-04-26 17:27:01

ናይ ረድኤትን ፍትሕን አገልግሎት ቤተ ክርስትያን ንዋታውን ማኅበራውን አገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ አገልግሎት ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ንዝቁጸሩ ም እመናንን ነጋድያንን አብ ዘስተምሃርዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛ ዕባ ጸሎት ዝጀመርዎ አስተምህሮ ብምቅጻል ብዘይ ጸሎት እንተተጓዒዝና አብ ዕለታዊ ተግባራትና ተዋሒጥና ናይ ምትራፍ ሓደጋ አሎ እንክብሉ ብዘይ ጸሎትን ቃል እግዚአብሔር ምስማዕን አስተንትኖን አብ ንዋታዊ ነገራት ጥራይ እንተ አድሂብና ልብና ክደርቅ መንፈስና ከአ ክጭነቅ ከምዝኽ እል አገንዚቦም፣
ቅዱስነቶም ነዚ ክብሉ ከለው ጊዜ ጸሎትን ጊዜ ሥራሕን ከም ተጻረርቲ ጌርካ ምጥማት ጌጋ ምዃኑ ንምሕባር እታ ናይ መጀመርያ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ም ዕዳል ረድ ኤት ዘጓነፋ ጸገምን ከመይ ከምዝፈትሕዎን ግብረ ሐዋርያት ም ዕራፍ ሽድሽተ ዘሎ ፍጻሜ ብሰፊሑ ተንቲኖም፣ እቲ ፍጻሜ ከምዚ ዚስ ዕብ ኢዩ፣ “በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። 2 - ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። 3 - ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ 4 - ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። 5 - እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጶሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። 6 - ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም።” ይብል፣
“እዞም ሰባት እዚኦም ብጽቡቅ ዝተመስከረሎም ጥራይ ክኾኑ አይተደልየን፣ እንታይ ደአ ብመንፈስ ቅዱስን ብጥበብን ዝመልኡ ክኾኑ አለዎም፣ ብካል እ አበሃህላ እቶም ነዚ ጽጉማትን ድኻታትን መበለታትን ምርዳእ ዝዋፈሩ ሰባት ናይ ምምሕዳር ክ እለት ዘለዎም ኮይኑ አብ ም ዕዳል ረድ ኤትን ላዕልን ታሕትን ግዚኦም ዘጥፍ ኡ ከይኮኑ እቲ ናይ ግብረ ሠናይ አገልግሎት ብመንፈስ እምነት ብብርሃን እግዚአብሔርን ልቦና ብዝመል ኦ ጥበብን ይፍጸም ማለት ኢዩ፣ በዚ ከአ ረድ ኤት ምግባር ብ ዓይኒ ፍትሓውነትን ማኅበረሰብ አውን አገልግሎት ጥራይ ዝጥመት ዘይኮነ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም መንፈሳዊ አገልግሎት ኢዩ፣ እንክብሉ የማናይ ኢድ ስብከተ ወንጌል ዝኾነ ናይ ግብረ ሠናይ ተል እኮ ቤተ ክርስትያን ባህርይ ገሊጾም፣ በዚ ኸስ ሕይወት ጸሎትን ሥራሕን ዓሚቍ ሓድነት ከምዘለዎም ንምብራህ አብነት ናይ ውኅደት ሥራሕን ጸሎትን ዝኾኑ ቅዱስ በርናርዶስ ብምጥቃስ ብዙሕ ነገር ክትገብር ምድላይ ብጽ ዑቅ ሥራሕ ዝተጨነቀ ሕይወት ኩሉ ግዜ ልቢ የድርቅ ንመንፈስ ከአ የሳቂ እንክብሉ ትምህርቲ ቅዱስ በርናርዶስ ጠቂሶም፣ እዚ ጻው ዒት እዚ ሎሚ ን ዓናውን ከምዝምልከት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “ን ዓና ነዞም ሎሚ ንኩሉ ነገር እቶት ብምርካብን ብብቅ ዓትን ን እንመዝን ዓቢ መዘኸኸሪ ኢዩ.ብዘይ ብ እምነት ዝንበር ዕለታዊ ጸሎት እንገብሮ ኩሉ ከንቱ ይኸውን ነቲ ዓሚቁ መንፈሱ የጥፍ እ አብ መወዳእታ ከይተሓጐስካን ከይ ዓገብካን ትተርፈሉ ተግባር ኮይኑ ይተርፍ፣ ቢሎም፣
ናይ ሕይወትና ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ዝኾነ ተግባር ከማኡ እውን ናይ ቤተክርትያን ብጸሎትን ብብርሃን ቃል አምላኽን አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክግበር አለዎ፣ እዚ ማለት አብ ሥራሕ ጥራይ ክንጥሕል የብልናን፣ አብቲ እንገብሮ ምንቅስቃስ ኩሉ ብርሃን ቃል አምላኽ ክአቱ ነፍቅደሉ በዚ ከአ ነቲ ሓቀኛ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ነቲ ሓቀኛ አገልግሎት ብጻይ ክንመሃር ኢናጸሎት ብቃል አምላኽ እንተተቀሊሱ ንኩሉ ነገራት በቲ አብ ዝኾነ ጊዜን ኩነታትን አብ እንገብሮ ጕዕዞ ሓዲስ ብርሃን ብምሃብ ነእምሮናን ንልብናን ብዝዛረብ ብዓይኒ እምነትን ብዓይኒ እግዚአብሔርን ብሓዲስ አዕይንቲ ክንርእዮ ንኽእል፣ ነቲ ንቤተ ክርስትያን ሓደራ ዝተዋህበ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ክንምልሸሉ እንኽ እል እንኮ መንገዲ በቲ ዕለት ዕለት ምስ እግዚአብሔር ብእንገብሮ ዓሚቍ ርክብ ኢዩ፣ ናይዞም አብ ላዕሊ ዝተመልከትናዮም ሸው ዓተ ዲያቆናት ምምራጽ ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ጸሎትን ቃል አምላኽ ምዃኑን የብርሃልና፣ ምናዳ ጓሶት ነፍሳት ክገብርዎ ዘለዎም እዚ ኢዩ፣ ሰናᎄእ ጸሎትን ቃል አምላኽን ንመንፈሳዊ ሕይወትና እስትንፋስ እንተዘይሂቦሞ አብቲ ሺሕን ሓምሳን ዝኾነ ዕለታዊ ተግባርና ተዋሒጥና ክንተርፍ ዝ ከአል ኢዩ፣ ጸሎት እስትፋስ ነፍስናን ሕይወትናን ኢዩ፣ አብ ቤተ ክርስትያን ወይ አብ ገዛና ብጸጥታ ምስ እግዚአብሔር አብ እንራኸበሉ ጊዜ ምስ ጐይታን ምስ ብዙሓት ብ እምነት አሕዋትናን አኃትናን ዝኾኑ ንወሃሃድ እንኪብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ብዝተፈላለየ ቋንቋ አመስጊኖም ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.